Home Archivio
2009-08-15 16:21:44
መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ሁመሥ ንቀወምቲ ዲያቆናት.
አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውሉደ ክህነት ቅዱስ ማኅበር ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመሥ ዝሓለፈ ሰኑይ አውዕደ ዓመት ቅዱስ ሎረንዞ መሠረት ብምግባር ንቀውምቲ ዲያቆናት መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አገንዚቡ።
ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመሥ ንቀውምቲ ዲያቆናት ዝልአኽዎ መልእኽቲ ቤተክርስትያን ብመንፈሳዊ ሀብቲ ድያቆናት ሕጉስቲ ከም ዝኾነትን እቶም ቃል ኪዳን ዝአሰሩ ዲያቆናትን ደቆምን ንቤተክርስትያን ዝህብዎ አገልግሎት ክአ ዝምስገን ምኻኑ ከም ዝገልጽ እቲ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።
ተልእኾ ዲያቅናት አብ ፍቅሪ ቃለ እግዚአብሔር ዝተመርኮሰ ከም ዝኾነን ግልጸት ኢየሱስ ክርስቶስ ተረዲእካ ምስኡ ምሕዋስ ማለት ከም ዘመልክት ፡ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመሥ ንቀወምቲ ዲያቆናት ዝልአኽዎ መልእኽቲ ከም ዘመልክት ክአ እቲ መግለጺ አገንዚቡ።
ቃለ እግዚአብሔር ብዝግባእ ንምግንዛብ አስተነትኖ ምግባር ከም ዘድሊን ቃለ እግዚአብሔር ተገንዚብካ ክትገብሮ ከም ዝግባእን መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመሥ ከም ዘረድእ ተተሐሒዙ ዝመጸ ዜና አረዲኡ ።
ጽቡቅ አብነት ዲያቆናት ቅዱስ ሎረንጾ ሰማዕት ከም ዝኾነ ክአ መልእክቲ ብፁዕ ካርዲናል ሁመሥ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ውሉደ ክህነት ቅዱስ ማኅበር ዋና ሐላፊ ከም ዘረድእን ዘዘኻክርን መግለጺ ቫቲካን የመልክት።
ቅዱስ ሎረንጾ ሰማዕት አብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ክርስትያን ይሳደድሉ አብ ዝነበርሉ ዝነበረ ቅዱስ ከም ዝኾነ ይዝከር።
ቅዱስ ሎረንጾ ሰማዕት መንፈሳዊ ሀብቲ ቤተክርስትያን ድኻ ህዝቢ ከም ዝኾነ ብምእማን አብ ጐድኖም ከም ዝነበረ መልእኽቲ ብፁዕ ካርዲናል ክላውድዮ ሁመሥ ጠቂሱ ንድኻታት ዘይርሕርሕን ምስኦም ዘይተሐባበርን ዲያቆን ክህሉ ከምዘይክእል ከም ዘመልከተ እቲ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ።
All the contents on this site are copyrighted ©.