2009-08-13 14:02:41

ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ኣብ ሓቂ ክስረት ይግባእ


ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቱራን ኣብ እስያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዘተ ንክፍጸም ቀንዲ ድላይን ማእከላዊ ሓሳብ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ በመል 16 ንምንቕቓሕ ካብ ዕለት 2 ነሓሰ ክሳብ 10 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. RealAudioMP3 ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ።

ናይ ጃፓን ብፁዓን ጳጳሳት ነቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ሓሳብ ንምንቕቓሕ ኣብ መላእ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ጃፓን ምእንቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ሓሳብ ዘማእከለ በቢ ዓመቱ መደብ ጸሎት ክካየድ ከምዝወሰኑ ኤሺያን ኔውስ ሓቢሩ። ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ቱራን ኣብዚ ዘካይዶዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ምስ መላእ ብጹዓን ጳጳሳት ጃፓንን ምስ ናይ ሺንቶይን ቡድሃን ምስልምናን ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ እውን ከም እተራኸቡ ክንገር እንከሎ፣ ብፁዕነቶም ነዚ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ካቶሊክ ቤተ ክስትያን ጃፓን ንሓልዮት ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ንክግበር እተበርክቶ ኣስተዋጽኦ ንኢዶም፣ ኣብ ጃፓን ሃዋሁ መንፈሳውነትን ሃይማኖትን ዕዙዝ ኢዩ፣ ጃፓናዊ ተኸታሊ ሃይማኖት ሺንቲዝም ኮይኑ ይውለድ ቀጺሉ ናይ ቡድሃ እምነት ተኸታሊ ይኸውን፣ እዚ ዓይነት ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ወይ ድማ ምትሕውስ የስዕብ፣ ስለዚህ ኣብ ጃፓን ሃይማኖት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኢዩ ኢሎም፣ ጃፓናውያን ሃይማኖት ነቲ ፍጹም ሓቂ ንምድላይ ዘይኮነስ ኣብ ምፍጣር ዘሎ ናይ ሕይወት ፈተና ብዘየገድስ ምስ ገዛእ ርእስኻ ሰላም ንምንባርን ንገዛእ ርእስኻ ውሽጣዊ ሰላም ንኽዕድል ዝጥቀምሉ ምዃኖም ቀሪቦም ዘረጋገጽዎ ሓቂ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኣብዛ ሃገር ኣብ መንጎት ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ፣ ብብሔራዊ ደረጃ ዘይኮነስ ብዘባዊ ደረጃ ኢዩ ዝግበር፣ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን በተን ኣብ ጃፓን ብዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣቢያተ ትምህርትን መናብረተ ጥበብን መሠረት ብዛዕባ ሕይወትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘተ ክግበር ተተባብዕ ኢሎም። ኣብ ጃፓን ናይ ውህደት ወይ ድማ ናይ ስኒት ፍልስፍና ናይ ኅብረተሰብ ጃፓን መምርሒ ሕይወት ምዃኑ ቀሪቦም ዘረጋገጽዎ ዓይነት ማሕበራዊ ኣነባብራ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዘተ ንኽህሉ ዘተባብዕ ኃይሊ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.