2009-08-13 14:05:35

ቪየትናም


ኣብ ቪየትናም ኣብ ሰበኻ ቭንህ ክርስትያን ማህበርሰብ ካቶሊክ ኣብዛ ሃገር ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን መሰል ክኽበር ክርስትያን ምእመናን ዘንቀልዎ ሰላማዊ ሰልፊ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ምእንቲ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ፣ ዝሳተፉ ዝነበሩ ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ብኃይሊ ጸጥታ ከምእተታሕዙ ክንገር እንከሎ፣ ናይ መንግሥቲ ናይ መራኸቢ ብዙኃን እቶም መሰሎም ክኽበረሎም ንምሕታት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ካቶሊካውያን ምእመናን ቨትናም ዘርጊ ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ኢዮም እንክብሉ ከምዝገለጽዎ ሎ ሶርቫቶረ እተሰምየ ናይ ቅድስቱ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ከምዘገለጸ ተሓቢሩ።

ኣብ ቪየትናም ታን ፎ ሆ ኪ ሚንህ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲንላ ዣን ባፕቲስት ፋም ሚንህ ሕዝቢ ቬትናም ብዛዕባ ሃገሩ ምሉእ ሓበሬታ ክረክብ ኣለዎ ቢሎም፣ ገዳማውያንን ምእመናንን ልኡካነ ወንጌልን ኣብዛ ሃገር ኣብ ምክብባርን ምቅብባልን ዝተመሥረተ ማኅበራዊ ናብራ ንምሕናጽ ክተግሁ ድማ ሓደራ ከምዝበሉ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.