2009-08-11 15:41:32

ወዲ ሰብ ንእግዚአብሔር ክርስዕ እንከሎ ንክፍአት አንፈት ይኸፍት


ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መልአከ እግዚኣብሔር ጉባኤ አስተምህሮ፣ ኣብ’ዚ ሶሙን’ዚ ዝዝክሩ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብምጥቃስ ንዓመተ ካህን ዚኸውን አስተንትኖ አቅሪቦም። ካብቲ ኣስተምህሮኦም ብዙሕ ሓሳባት ውሒዙ፣ ካብቲ ዝለዓለ ክፍአት ወዲ ሰብ ኪግለጸሉ ዚከአል ጭካኔን አረማውነትን ንላዕሊ ብምዃን ብጅግንነት ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብፃይን ብምግላጽ ሰማዕታት ቅድስቲ አዲት ሽታይንን ቅዱስ ኣባ ማክሲሚልያኖ ኮልበን ዝግለጽ ተፃራሪ ባህርያት ደቂ ሰባት ማለት ጨካን ክፍአተ ግብርን ክሳብ መወዳእታ እስትንፋስ ዝውፈ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ፍቅሪ ብጻይን ተንቲኖም፤ ንጨካን ክፍአተ ግብሪ ደቂ ሰባት ብሠናይ መክትዎ ቢሎም ኣስተምሃሩ።

ነዚ አስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሃገራዊ ምንቅስቃስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ሊቀመንበር ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ትርጉም ሰማዕትነት ክርስትያን ብከምዚ ይገልጽዎ፣ ‘‘ቅድስቲ አዲት ሽታይን ‘ናይ ክርስቶስ ምዃን ማለት ሕይወትካ ንክርስቶስ ምሃብ ማለት እዩ’ ይብላ ነበራ፣ ትርጉም ሰማዕትነት ከአ እዚ እዩ። ክርስትያን ማለት ኣብ ሥቃይ ዚነብር፣ ሕይወቱ ንክርስቶስ ዘወፊ ናተይ ዝብሎ ዘይብሉ ንርእሱ ዘይኮነ ንክርስቶስ ዝነብር ማለት እዩ። ሕይወት ክርስትና ሕይወት ፍቅሪ እዩ፣ መጠን ዘፍቀርናዮ መጠኑ ንነብር፣ መጠን ዝሃብናዮ መጠኑ ንቅበል፣ መጠን ዝተሳቀናዮን ሰማዕታት ዝኾናሉን ብፅዕናና ይግለጽ ተአመንቲ ኰንና ንርከብ። ቅድስት አዲት ሽታይን ‘ንካልኦት ክንህብ ክንውፈ እንተዀና መንፈሳዊ ሕይወትና ወትሩ ክንኩስኩሶ አሎና’ ይብላ ነበራ። ጸገምና ነዚ ምዝንጋዕ እዩ፣ አተሓሳስባ ዘመንና ንክርስቶስን ናይ ክርስቶስ ነገራትን ከምንዝንግዕ ይገብረና። አሰር ቅድስት አዲት ሽታይን ብምስዓብ ሰማያዊ ነገራት ክንሓስብን ንክርስቶስ ክንውፈን እንተዘይክኢልና ሰብአውነትን ሐቀኛ ሕይወትን ትርጉም ይስእኑ’ ቢሎም ተንተኑ።

ካብዚ ብምቅጻል ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ‘‘ቅዱስ ኣቦና ‘ወዲ ሰብ ብዘይ እግዚአብሔር ክነብር እንተፈቲኑ መላኺ ዘይብሉ ሠይጣን ይመልኮ ከምዝበሃል ክፍአተ ግብሪ ንኩለንትናኡ ዓፊኑ ስለዝሕዞ ይጽገም። ቅዱሳን ግን ምስ እግዚአብሔር ምንባር ክሳብ ክንደይ ጥዑም ከምዝኾነን ምልአት ሕይወት ከምዝህብን ይገልጹልና ዝበልዎ፤ ‘ቅዱሳን ጥበብ ምንባር ይምህሩና፣ ንሳቶም ናብ ዕላማኦም ጥራይ ብምትኳር ትርጉም ዘለዎ ሕይወት ዛዚሞም፣ እዚ ቃልሲ እዚ ንክልተ ሺሕ ዓመታት ንደቂ ሰባት ዘሰነየ ዝለዓለ ግድል ናይ ሙሉእ ዘመነ ክርስትና እዩ። ካብ እግዚአብሔር ናይ ምህዳም ባህርያት ክገልጽ ከሎ ማንዞኒ ‘ካብ እግዚአብሔር ምህዳም ድሮ ተጻይ እግዚአብሔር ምዃን እዩ’ ይብል ነበረ። ሰማዕትነት ኣብ ሕይወት ክርስትና ወትሩ ዘይተርፍ እዩ። ዕውታት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብሕይወቶም ንክፍአተ ግብሪ ብጽቡቅ ከነሸንፎ ከም እንኽእል ይምህሩና። ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘመልከትዎ ናይ ዘመንና ሰብ ብስም ነጻነት ቦታ እግዚአብሔር ክሕዝ ሒዅ ይብል አሎ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን አምባገነንነት ደሳውነትን ጭቆና ውልቀ መለኽትን ዕቡድ ርእዮተ ዓለምን ብዙሕ አርእዩና፣ ሎሚ ኸአ ምዕባለ ሳይንስን ተክኖሎጅን ኩሉ ዚኽእል ኮይኑ እናተሰምዖ ወዲ ሰብ ፋሕተርተር ይብል አሎ። ፕላቶ ዝበሃል ፍላስፋ ኣብ ረፑብሊካ ዚበሃል መጽሓፉ ወዲ ሰብ ብመልክዒ ዓቅሚ ፍልጠቱ ነጻነት ኣብ ትዕብለሉ እዋን መጀመርያ ገሃነመ እሳት ምዃኑ ብትሕትና ክቅበሎ ኣለዎ ይብል ነበረ። እቲ ዝሓሰመ ባርነት ወዲ ሰብ ኣብ ተግብራቱ መጠንን ደረትን እንተዘይገሩሉ እዩ፣ ክህውትትን ከሀውትትን ይኽእል። ብትዕቢትን ዘይረዊ ህርፋንን እንተተመሪሑ ግዙእ ናቱ ኮይኑ እዩ ዚተርፍ። እዚ ሕጂ ዚዕብልል ዘሎ መንፈስ ኢምንትነት ቅዱስ ኣቦና ምስቲ ዝኾነ ናይ ናዚ ናይ ሰቆቃውን ሕልቂትን ፍጻሜ ዘዛመድዎ ብሃውሪ ኣይኮነን፣ ኣልቦ እግዚአብሔር ዚብል ፈሊጥ ናይ ዘመንና ኢምንትነት ሓደገኛን ናብ ጥፍአት ዘምርሕን ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። እንኪብሉ ወዲ ሰብ ካብ እግዚአብሔር እንተወጺኡን ንእግዚአብሔር ካብ ሕይወቱ እንተአልዩን ንብጻዩ ሰብ ኪርስዕን ክጭቝንን ከምዝኽእል ጥራሕ ዘይኮነ ዝኸፍአን አዕናውን ሳዕቤን ከምዘለዎ ገለጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.