2009-08-11 13:43:08

ኢታው እተሰምየ ብርቱዕ ዝናም ሓዘል ህቦቡላ


እቲ ኢታው ዝብል ስም ተዋሂብዎ ዘሎ ብርቱዕ ዝናም ሓዘል ህቦቡላ ኣብ ቻይናን ታይዋንን ጃፓንን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ መጉዳእቲ የስዕብ ከምዘሎ ተሓቢሩ። RealAudioMP3 ኣብ ታይዋን ብጠንቂ’ዚ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ’ዚ 14 ሰባት ከምዝሞቱ ክንገር እንከሎ በዚ ተከሲቱ ዘሎ ናይ ተፈጥር ሓደጋ ኣዚዩ ኣብ ዝተጠቕዔ ከባቢ ዝነብር ሕዝቢ ንምድሓን ኣባላት ኃይሊ ምክልኻል ዘሳተፈ ዓቢ ምንቅስቃስ ምድሓን ሕይወት ሰብ ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣብ ጃፓን ብጠንቂ እዚ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ’ዚ 13 ሰባት ከምዝሞቱን ኣብ ቻይና ሓደ ሕጻን ከምዝሞተን ልዕሊ 2 ሺሕ ዝግመት ኣባይቲ ከምዘዕነወን ተገሊጹ። ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሓበሮ እቲ ኢታው ብርቱዕ ዝናም ሓዘል ህቦቡላ ናኅሪ ውንጫፌኡ ዝግ እናበለ ናብ ትሮፒካዊ ህቦቡላ ይልወጥ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።







All the contents on this site are copyrighted ©.