2009-08-08 14:56:06

ክርስቶስ ምብሣር ቀዳማይ ረቛሒ ምዕባለ


እታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ሓደ ወረሒ ንንባብ ዝበቕዔት ብዛዕባ ማሕበራዊ ጉዳይ እትድኅስስ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ ብካቶሊካውያንን ዘይካቶሊካውያንን ዓለማውያን ምሁራትን ናይ ኤኮኖሚ RealAudioMP3 ሊቃውንትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ዓቢ ግምት ዝተወሃባን ዕዙዝ ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ዝረኸበት ሓቀይና ምዕባለ “ንምሉእ ሰብኣዊ ምዕባለ” ኣብ ግምት ዘእትውን እዚ ምዕባለ’ዚ ድማ ሓቅን ፍቕርን ዘድልዮ ከምዝኾነን ብሰፊሕ እተረድእ ከምዝኾነት ክፍለጥ እንከሎ፣ ንዛ ዓዋዲት መልእኽቲ’ዚኣ ንምርዳእ ዝሕግዝ መሠረታዊ ሓሳብ “እቲ ክርስቶስ ዝመስከሮ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ” ዝብል እዚ ድማ ንናይ ሰብኣዊ ምሉእ ምዕባለ ዝድርኽ መሠረታዊ ኃይሊ ከምዝኾነ፣ ዘረድእ መሠረታዊ ሓሳብ ዝሰፈራን ፍቕርን ሓቅን እግዚኣብሔር ኣብ ናይ ኵሉ ሰብ ልብን ኣእምሮን ዘንበሮ ንዅሉ ሰብ እግዚኣብሔር ዘቕረቦ ጸዋዕታ ምኻኑ እተረድእ ኢያ።

እንታይነት ክርስትያናዊ ፍቕሪ፣ ብጌጋ ርድኢት፣ ካብ ሥነ ምግባር ዝተነጸለ ኮይኑ ስምዒታዊ ግምትን ትርጉምን ጥራሕ ክወሃቦ ከምዝኽእልን፣ እዚ ዓይነት ትርጉም ፍቕ’ዚ ድማ፣ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኮይኑ፣ ኣብ ሰናይ ስምዒት ዝቖመ ንማሕበራዊ ናብራ ዝድግፍ ውሱን ኮይኑ ኢዩ ዝተርፍ። ምዕባለ ሓቂ የድልዮ ኢዩ፣ እንተዘይኮነ ግን እቲ ንማኅብረሰብ ፋሕ ዘብል ኣብ ግሊ ድላይ ዝቖመ ሰብኣዊ ተግባርን ስልጣን ዝሓቶ ርትዓዊ ኣገባብ ዝኽተል ተግባር ኮይኑ ከምዝተርፍ ፍሉጥ ምዃኑ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ደጋግሚሞም ከምዘረድኡ ይፍለጥ።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብዛ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም፣ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ከምቲ ኣብታ ፖፑሊሩም ፕሮግረዚዮ-ምዕባለ ሕዝቢ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ፣ ናይ ክርስቶስ ብሥራት ቀንዲ ረቛሒ ምዕባለ ከምዝኾነ የረጋገጹ። ብእምነትን ብምርምርን ዝተኾልዔ ፍቕሪ ጥራሕ ኢዩ ምሉእ ምዕባለ ሰብ ከምጽእ ዝኽእል፣ ብዘይ ትጽቢት ዘለዓለማዊ ሕይወት፣ ኣብዚ ዓለም’ዚ ንምርግግጋጽ ዝፍተን ሰብኣዊ ምዕባለ፣ ሕይወት ዘይብሉ፣ መዋቕር ጥራሕ ኮይኑ ከምዝረርፍ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቶም ብሰፊሕ የረድኡ። ብዘይ እግዚኣብሔር ምዕባለ ይከሓድ፣ እዚ ድማ ናብቲ ኢሰብኣዊነት ዝተመልኦ ምዕባለን፣ ማለት ኣነ ንገዛእ ርእሰይ የድሕን ናብ ዝብል ትዕቢት ይድርኽ፣ እግዚኣብሔር ዘወግድ ሰብኣውነት ኢሰብኣዊ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ፣ ክርስትያናዊ ሰብኣውነት ብፍቕሪ ህያው ዝኾነ ብሓቂ ዝተመርሔ ንምዕባለ ዘገልግል ዓቢይ ኃይሊ ከምዝኾነን፣ ናብቲ ፍጹም ዘቕንዔን ርኁው ዝኾነ ሰብኣውነት ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ናይ ኵሉ ረብሓ ንምድላይን እዚ ምእንቲ ክረጋገጽ፣ ትብዓት ከምዝህበና ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዑምቀት የረድኡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.