2009-08-08 15:00:51

ካህናት ማሕበር ካፑቺን ኣብ ማዳጋስካር


ካብ ዓለም ሕማም ደዌ ጠሪሹ ንኽወገድ ኣብ ዝገበር ናይ ኣገልጎት ጻዕሪ፣ ብሉጻት ኮይኖም ንዝርከቡ ካብ ማኅበር ዓለም ሓቆፍ ሓለዋ ጥዕና ዝወሃብ ዓለም ሓቆፍ ሽልማት ኣብ ማዳጋስካር ንሕሙማንን ጽጉማትን ኣብ ከቢድ ማሕበራውን RealAudioMP3 ሰብኣውን ስቓይ ንዝርከቡ ኣብ ምድጋፍ ንዝርከቡ ካህናት ኣባላት ማኅበር ካፑቺን ከምእተውሃበ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ማዳጋስካር ከተማ ኣምባዣ ዝርከብ ብካህናት ማኅበር ካፑቺን ኣብ 1960 ዓ.ም.ፈ.ዝተመሥረተን ብኣኣቶም ዝመሓደርን ኣገልግሎት ዝህብ ዘሎ መእለይ ሕሙማን፣ ዝተፈላለየ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ከምዝህብ ክንገር እንከሎ፣ ድኻታት ርእሰ ምርኰሳ ገይሮም ካብቲ ወዲቖምዎ ዘለዎ ሕሱም ድኽነት ንኽላቐቑ ዝተፈላለየ ናይ ልምዓትን ከማኡ ድማ ሰብኣውን መንፍሳውን ሕንጸት ዝረኽቡሉን ከምዝኾነ ክንገር እንከሎ፣ መሓይምነት ምጥፋእ መሠረት ክንክን ጥዕና ምዃኑ እቲ ማእከል ብምርዳእ ኣብ ማዳጋስካር ዘካይዶ ወፈራ ጸረ መሃይምነት፣ ዓቢ ውጽኢት የምጽእ ከምዘሎ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.