2009-08-08 14:58:07

እምነትን ሃይማኖትን ዘርክስ ተግባር


ኣብ ናይ ፓኪስታን ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ካብ ዘጠቓልሎም፣ እምነትን ሃይማኖትን ዘርክስ ተግባር ዓቢ ገበን ኮይኑ ከቢድ መቕጻዕቲ ዘኸትል ከምዝኾነ ዝገልጽ ውሳኔ፣ ካብቲ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ንክሕከኽ ዝጽውዕ RealAudioMP3 ናይ ፓኪስታን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክታም ናይ ምእካብ ወፈራ ተካይድ ከምዘላ ተሓቢሩ።

ሃይማኖትን እምነትን ዘርክስ ከም ገበን ተቖጺሩ ዘኸትሎ ከቢድ መቕጻዕቲ መንግሥቲ ፓኪስታን ካብ ቀደም ዝሓሸ አረኣእያ ዘለዎን፣ እዚ ሕጊ’ዚ ዝተሓሳስብ ከምዝኾነ እውን ካብ ቀደም ሕጂ ብዝያዳ ይኣምነሉ። ምእቲ’ዚ ናይ ፓኪስታን ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን እዚ ውሳኔ’ዚ ምእንቲ ካብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕጊ ጠሪሹ ንኽሕከኽ ዝሓትት ፊርማ ንምእካብ ከምዝተደልየ ኣብ ፓኪስታን ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ፍትሕን ሰላምን ብሔራዊ ድርገት ሊቀ መንበር ፒተር ጃኮብ ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ፓኪስታን መራሔ መንግሥቲ ዩሱፍ ራዛ ጂላኒ ናይ ፑንጃብ መራሔ መንግሥቲ ሚያን ሻህባዝ ሻሪፍን፣ ነቶም ብዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓኪስታን ከባቢ ጎይራ በኽረርቲ ምስልምና ሃይማኖት ዝተጎድኡ ስድራ ቤታት በጺሖምን ንዞም ኣደዳ ዥኮኑን ቤቶም ንብረቶም ዝዓነዎም ክርስትያን ማኅበረሰብ ፍትሕን ካሕሳን ከረጋገጽሎም ምዃኖም ከምዝገለጹ ኤሺያን ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ኣብ ፓኪስታን ሓንቲ ናይ ግሊ መደብር ቴሌቪዥን፣ መራሔ መንግሥቲ ጊላኒ እቲ ኣብ ፓኪስታን ኣብ ናይ ገበነይና መቕጽዒ ሕግ፣ ብዛዕባ ሃይማኖትን እምነትን ምርካስ ከም ገበን ዝምልከት ከቢድ ውሳኔ ዳግም ተራእዩ ንኽሕደስ ክጽዕሩ ምዃኖም ከምዝገለጹ ይሕብር። ኣብ ፓኪስታን ዝነበረ ናይ ፐርቨዝ ሙሻራፍ መንግሥቲ፣ እቲ ውሳኔ’ቲ ዳግም ተራእዩ ክሕደስ ከምዘለዎ ብምግላጽ እዚ ክትግበር ክጽዕር ምዃኑ ዝኣምነሉ ዝነበረ ሓሳብ፣ በቶም ናይዛ ሓገር ኣኽረርቲ ምስልምና ናይ ፖለቲካ ሰልፍታት ብዘርእይዎ ዝነበሩ ተቓውሞ ክይተተግበረ ከምዝተረፈ ክፍለጥ እንከሎ፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ፓኪስታን ቤተ ክርስትያን ናይ ፍትሕን ሰላምን ብሔራዊ ድርገት እቲ ሓሳብ ሕጂ እውን ከይተተግበረ ከይተርፍ መታን፣ እቲ ኣብ ጎይራ ዝተኸስተ ጸረ ክርስትያን ማኅበረሰብ ዓመጽ ንሕዝባዊ ወፈራ ምእካብ ክታም ሕጹጽን ኣገዳስን ከምዝኾነ ከምዝሓበረ ናይዚ ብሔራዊ ድርገት ሊቀ መንበር ፒተር ጃኮብ ከምዝገለጹ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.