2009-08-08 15:02:07

ኔፓል


ኣብ ኔፓል ማሕበረሰብ ሂንዱ እቲ ራክሺያ ባንድሃን ተባሂሊ ዝጽዋዕ ዓቢይን ዓመታውን በዓል ብጠንቂ ኣብዛ ሓገር ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ሕማም ተቕማጥ ከምዘይተብዓለ ተሓቢሩ። እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም RealAudioMP3 ለብዒ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን ክንገር እንከሎ፣ ናይ መንግሥቲ ኔፓል መግልጺ ከምዝሕብሮ፣ 240 ከምዝሞቱ ክፍለጥ እንከሎ ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት መግለጺ ግን ልዕሊ 500 ከምዝኾኑ የመልክት።

መንግሥቲ ኔፓን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ንምድራትን ነቶም ዝተጎድኡ ናይ ሕክምና ድጋፍ ንምቕራብ 300 ሓኻይም ዘዋፈረ 89 ዝተፈላለዩ ጊዚያዊ መዕቆቢ ሠፈር ከምዘቖመን ክፍለጥ እንከሎ፣ እብዚ መዕቆቢ ካብ ዝርከቡ ሕሙማን ሕማም ተቕማጥ፣ ናይ ሞት ሓደጋ ዝወረዶ ሓደ’ኳ ከምዘየለ ናይ ኔፓን መንግሥቲ ዘውጸኦ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.