2009-08-06 17:07:13

ስደት ክርስትያን


ማኅበረ ሰብ ዓለም ኣብ ፓኪስታን ክርስትያን ብሰማዕትነት እናሞቱ አጽቂጥካ ትም ምባል ንብዙሓት ከምዘተሓሳሰበ ተገሊጹ። ሽሕ’ኳ ኣብ’ዚ ዚሓለፈ ዕለታት ብርቱዕ ስደት ክርስትያን አልዒላ ዝቀነየት ከተማ ዞባ ጎጅራን ከተማ ፑንጃብን ጸጥታ ዝሰፈነን እንተመሰለ ገና እቲ ፍርሒ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎን አመንቲ ክርስትና ብዙሕ ስግአት ከምዘለዎምን ተመልኪቱ።
ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኣኽረርቲ ምስልምና ዘለውዎ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ስግአትን ፍርሕን ከምዘሎ ይንገር። ንአብነት ኣብ ባንግላደሽ ዳካ ኣብ ትበሃል ከተማ ባንግላደሽ ንሃይማኖት ክርስትና ዝተቀበለት ናይ ሓደ መንእሰይ ሥድራ ቤት ካብ ኣኽረርቲ ምስልምና ብርቱዕ ናይ ሞት መጠንቀቅታ ዘለዎ ምፍርራህ ከምዝፈነውን ዝገደደ ከአ ንወላዲ ናይ’ቲ ኣቦ ሥድራ ‘ወድኻ ንምሉእ ማኅበረ ሰብና ስለዘዋረደ ባዕልኻ አጥፍአዮ - ወላ ከም ምሥዋዕቲ ቅተሎ’’ ክብሉ ከምዘፈራርህዎ አሽያ ኒውስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ገሊጹ፣፣
እዚ መንእሰይ እዚ ትምህርቱ ድሕሪ ምፍጻም ናይ አቡኡ ናይ ንግዲ ሥራሕ ንኸደንፍዕ ንአውስትራልያ ምስ ከደ ኣብኡ ምስ ክርስትና ተላሊዩ ብኣኡ ተሳሒቡ ንክርስትና ተቀቢሉ፣ ቅድሚ ዓመት ኣብ ሲድኒ ተጠሚቁ። ብድሕሪ-ዚ ብግሁድን ብሥውርን ብርቱዕ ስደት አጓኒፍዎም፣ ኣቡኡ ብሕማም ፍርቂ ሰውነቱ ለሚሱ ኣብ ሥቃይ እንከሎ ብዝበለጸ ቀሪቦም ዘጸናንዕዎን ዝሕግዝዎን ክርስትያን ከምዝኾኑ ይገልጽ። ነዚ ጸገም እዚ ናብ ፖሊስ ኪጠርዕ እውን ከምዝውይክእል ንኤስያ ኒውስ ከምዝሓበረ ተመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ቱርኪ ቅዱስ መጽሓፍ ዚዕድል ዝነበረ ክርስትያን አጋፊዖሞ ከምዘፈራሁ እውን ተመልኪቱ። ሓደ ንጡፍ ክርስትያን ኣብ እስታንቡል መጽሓፍ ቅዱስ ኪዕድል እንከሎ ኣክረርቲ ምስልምና ርእሱ ብባንደራ ቱርኪ ዓፊኖም ካራ ኣብ ክሳዱ ሒዞም ከምዘፍራርህዎን ከምዝወቅዕዎን ተገሊጹ። ጋዜጣ ሓበር ቱርክ ከምዘመልከቶ ‘እዚ ሃገረ ቱርኪ ኢዩ፣ ኣብዚ መጺእካ ቅዱስ መጽሓፍ ክትዕድል ኣይትኽእልን ኢኻ’’ ቢሎም ከምዘጠንቀቅዎ እውን አመልኪቱ።
ኣብ 2006 ዓምፈ ኣባ ኣንድረያ ሳንቶሮ ዚበሃሉ ኢጣልያዊ ምስዮናዊ ካህን ኣብ ትራብዞን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ከምዝቀተልዎም ዚዝከር ኢዩ። ኣብ 2007 እውን ሰለስተ ሰብኽቲ ወንጌል ፕሮተስታንት ሓደ ሚስዮናዊ ወዲ ጀርመን ክልተ ክርስትና ዝተቀበሉ ቱርካውያንን ኣብ ማላትያ ብዘስካሕክሕ አገባብ ከምዝተቀትሉ እውን ዚዝከር ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.