2009-08-06 16:52:55

ሥነ ሥርዓት ቀብሪ ኮራዞ አኲኖ ተፈጺሙ.


ናይተን ካብዚ ዓለም”ዚ ብሞት ዝተፈልያ ናይ ፍሊፒን ፕረሲደንት ዝነበራ ኮራዞን አኲኖ ፣ሥነ ስርዓት ቀብሪ ትማሊ አብ ርእሰ ከተማ ማኒላ ከም ዝተፈጸመ ይምልከት።

ሥነ ስርዓት ቀአብሪ ኮራዞን አኲኖ ካብ ሚእቲ ሺሕ ዝበዝሕ ህዝቢ ከም ዝተሳተፎ እቲ ዜና አፍሊጡ።

እተን ዘይፍወስ ሕማም ሒዝወን ከም ዝዓረፋ ዝተነግረለን ናይ ፍሊፒን መራሒት ዝነበራ ወይዘሮ ኮራዞን አኲኖ ነቲ ቅድሚኤን ዝነበረ አምባገነን መንግስቲ ፈርዲናንዶ ማርቆስ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ አወጊደን ምሰረታን መስርሕን ዲሞክራሲ ፍሊፒን ዝሐንጸጻ ብህዝበን ተቀባልነት ዝረኸባ መራሒት ከም ዝነበራ ይንገረለን ።

አብ ካተድራል ማኒላ ፍትሐተ ጸሎትን መስውዕተ ቅዳሴን ዝተገብረለን ኮራዞን አኲኖ ሚእቲ ሺሕ ህዝቢ ብእግሩ ናብቲ ሐመድ አዳም ዝለበሳሉ ቦታ ክልተ ኪሎ ሜትር ተጓዒዙ ከም ዘፋነወን ተነጊሩ።

ጓለን ክርስቲና በርናደት ያፕ አደኤን ኮራዞ አኲኖ ህዝቢ ፍሊፒን ተሐላልዩን ተኸባቢሩን ክነብር ቅድሚ ምዕራፈን ዘድመጽኦ ቃልን ዝሀብኦ ለበዋን ነቲ ሚእቲ ሺሕ ዝውን ህዝቢ ገሊጸን ንቀበርቲ ክአ ከም ዘመስገና እዚ ካብ ማኒላ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.