2009-08-06 16:22:05

. ዑደት ሂላሪ ክሊንተን አብ አፍሪቃ.


ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ክሊንተን አብ ሀገራት ክፍለ ዓለም አፍሪቃ ናይ ዲፕሎማሲ ዑደት ብከንያ ከም ዝጀመራ ተፈሊጡ አሎ።

አብ ናይሮቢ አርብዓ ሀገራት አፍሪቃ ዘሳተፈ ኤኮኖምያዊ ልምዓት አፍሪቃ ዘተኮረ መጋባእያ ይካየድ ከም ዘሎ ክምልከት ከሎ ፡ እዚ መጋባእያ”ዚ ብመንግስቲ አመሪካ ዝተዳለወ ከም ዝኾነ ካብ ናይሮቢ ዝመጸ ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ።

እዚ ካብ ናይሮቢ ዝመጸ ዜና ከም ዘመልክቶ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ክሊንተን አብ ሽዱሽተ ሀገራት አፍሪቃ ዑደት ከካዩዳ መደብ አለወን።

ናይዚ ሂላሪ ክሊንተን አብ አፍሪቃ ጀሚረንኦ ዘለዋ አውራ ምኽንያት እቲ ብፕረሲዳንት ባራክ ኦባማ ዝምራሕ መንግስቲ አመሪካ አብ አፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊሲ ፖሊቲካን ኤኮኖሚን ንምግላጽን ፡ አመሪካ ምስ ሀገራት አፍሪቃ ክትገብሮ ትደሊ ምትሕብባር ኤኮኖምን ፖሊቲካን ብዝምልከት ዓሚቅ ዘተ ንምክያድ ከም ዝኾነ እዚ ካብ ናይ ሮቢ ዝመጸ ገሊጹ።

ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ዝሐለፈ ወርሒ ሐምለ ጋና አክራ አብ ዝበጽሕሉ ግዜ ሃገራት አፍሪቃ ዱልዱላት ሕጋዊ ትካላት መንግስቲ ድአምበር ኃያላት መራሕቲ ከም ዘየድልይዋ ገሊጾም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኢዩ።

መንግስቲ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ አመሪካ አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ዘሎ ድኽነት ንምጉዳል ኤች አይ ቪ ኤይድስ ንምግታእ ምስ ሀገራት አፍሪቃ ክተሐባበር ድሉው ከም ዝኾነ ናይ ወጽኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ክልንተን አብ ናይሮቢ ከም ዝገለጻ ተፈሊጡ አሎ።

እተን ብጉጅለ ሸሞንተ ዝፍለጣ ብኢንዱስትሪ ናይ ዝማዕበላ መንግስታት መራሕቲ ጉባኤ ዝሐለፈ ወርሒ አብ ኢጣልያ ተአኪቦም ዓለም ለኻዊ ኩነታት ኤኮኖሚ ብዝምልከት አብ ዝዘተይይሉ ግዜ ምስ ናይ ሾምንተ ሃገራት አፍሪቃ መራሕቲ ተራኺቦም ከም ዝዘተዩ ክዝከር ከሎ፡ አብ ሰለስተ ዓመታት ዝኽፈል ንምዕባሌ ኤኮኖሚ ሃገራት አፍሪቃ ዕስራ ሚልያርድ ዶላር ክልግሱ ቃል ከም ዝአተዉ ዝዝከር ኢዩ።

ተፈጥሮአዊ ሀብቲ ሀገራት አፍሪቃ ነቲ አብታ ክፍለ ዓለም ዝዝንቢ ዘሎ ድኽነት አብ ምጕዳል ክውዕለሉ ዝክእል አገባብ ክድለ ናይ ኤኮኖሚ በሰላት ሐሳብ ከም ዘቅርቡ ክምልከት ከሎ ፡ ዝማዕበላ ሃገራት ምስ ሃገራት አፍሪቃ ክገብርኦ ዝደልያ ምሕዝነት ንግዲ አሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል ከም ዘተሐስስቡ ይምልክት።

ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት አብ አፍሪቃ ኤኮኖምያውን ፖሊቲካውን ጽልዋ ክህልወን ዘካይድኦ ፖሊቲካ አወጊነን እዚ አብዚ እዋን”ዚ ብዓለም ለኸ ዝርኤ ዘሎ ኤኮኖምያውን ፋይናንሳውን ቅልውላው አብ ልዕሊ ሀገራት አፍሪቃ ዘስዕቦ ዘሎ አሉታዊ ተጽዕኖ ንምግታእ ክተሐባበራ ናይ ኤኮኖሚ ጠበብቲ ከም ዘተሐሳስቡ ይምልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሂላሪ ክሊንተን አብ አፍሪቃ ክፍለ ዓለም ዘካይድኦ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዑደት ብምቃጻል ካብ ኬንያ ንረፓብሊክ ኮንጎ ከም ዝሳገራ እዚ ካብ ናይሮቢ ዝመጸ ዜና አገንዚቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.