2009-08-04 14:29:30

ብዝሒ ሕዝቢ ኤውሮጳ


ኣብ ኤውሮጳ ብዝሒ ሕዝቢ ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ብሰንኪ ስደተይናታት ተቐማጦ ኣብ ሓገራት ኤውሮጳ ምዃኑ ናይ ኤውሮጳ ኤውሮስታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማዕከል ኣኅዛዊ RealAudioMP3 መጽናዕ ማእከል ሓቢሩ።

እቲ ብዝሒ ካብ 2004 ዓ.ም.ፈ. ንነጀው ክርኤ ከምዝጀመረ እቲ ናይ ኢስታቲስቲክስ ማእከል ገሊጹ፣ ናይ ወሊድ መጠን ክብ እናበለ እቲ ናይ ዝመውቱ መጠን ኣብ ዘለዎ ቆይሙ ከምዘሎ እቲ ማእከል ኣመልኪቱ፣ ኣብ ከባቢ ሕብረት ኤውሮጳ ብዝሒ ሕዝብ 1.6 ሚሊዮን ስደተይናታት ብዝርከብዎም ብጠቕላላ ብ 2 ሚሊዮን ክብ ከምዝበለ ተሓቢሩ ኣሎ። ክልተ ሲሶ ናይቲ ብዝሒ መጠን ብስደተይና ከምዝሽፈን እውን እቲ ናይ ኢስታት ጸብጻብ የመልክት።

ብዝሒ ኤውሮጳውያን ሓደ ሚሊያርድን 3 ሚእቲ ሚሊዮን ምዃኑ እንክንገር፣ ብዛዕባ ኢጣሊያ ዝመልክት መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፣ ምኽንያት ብዝሒ ሕዝቢ ኢጣሊያ ስደተይና ማሕበረሰብ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.