Home Archivio
2009-08-04 14:31:17
ሶማሊያ
ናይ ሶማሊያ ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 16 ነሓሰ 2008 ዓ.ም.ፈ. ዓጊቶመን ዝነበሩ ናይ የመንን ናይ ጀርመንን መራኽብ ምስ ባሕረይናታተን ናጻ ከምዝለቐቑ ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሶማሊያ
መራሔ መንግሥቲ ኦማር ኣብዲራሺድ ኣሊ ሻርማርከ እታ ካብ ዕለት 11 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ትሕቲ ኢድ ባሕሪ ሸፋቱ ሶማል ወዲቓ ዘላ ቡካነር እተሰምየት ናይ ኢጣሊያ ናይ ግሊ መርከብ ናጻ መታን ኽትልቀቕ፣ ብግሎም እውን ዓቢ ጻዕሪ ክገብሩ ምዃኖም ንናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒ ከምዘረጋገጽሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
All the contents on this site are copyrighted ©.