2009-08-04 14:31:17

ሶማሊያ


ናይ ሶማሊያ ናይ ባሕሪ ሸፋቱ ካብ ዝሓለፈ ዕለት 16 ነሓሰ 2008 ዓ.ም.ፈ. ዓጊቶመን ዝነበሩ ናይ የመንን ናይ ጀርመንን መራኽብ ምስ ባሕረይናታተን ናጻ ከምዝለቐቑ ተሓቢሩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሶማሊያ RealAudioMP3 መራሔ መንግሥቲ ኦማር ኣብዲራሺድ ኣሊ ሻርማርከ እታ ካብ ዕለት 11 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ትሕቲ ኢድ ባሕሪ ሸፋቱ ሶማል ወዲቓ ዘላ ቡካነር እተሰምየት ናይ ኢጣሊያ ናይ ግሊ መርከብ ናጻ መታን ኽትልቀቕ፣ ብግሎም እውን ዓቢ ጻዕሪ ክገብሩ ምዃኖም ንናይ ኢጣሊያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ፍራንኮ ፍራቲኒ ከምዘረጋገጽሎም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.