2009-08-04 14:26:53

ሞዛምቢክ


ኣብ ሞዛምቢክ ሕክምና ጸረ ኤይድስ ኩላዊ ክኸውን ዝነቓቕሕ ማሕበራውን ወፈራ ይካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣዚ ኣብ ሞዛምቢክ ማሕበር ሕሙማን ኤይድስን ጸረ ኤይድስ ምድኃኒት መሰል ናይ ኩሉ ዝብል ዕላማ መሠረት RealAudioMP3 ዝቖመ ብኤይድስ ንዝሓመሙ ዝሓሊ ማኅበር ብሓባር ዘነቓቕሕዎ ወፈራ ክኸውን እንከሎ፣ ቀንዲ ናይዚ ወፈራ ጸረ ኢይድስ መንቀሊ ድማ ኣብ ሞዛምቢክ ዲዩርነ ዝርከብ ደይ ሆስፒታል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ንሕሙማን ኤይድስ ደገፍ መውሃቢ ናይ ሕክምና ማእክል፣ መንግሥቲ ሞዛምቢክ ንኽዕጾ ዘተሓላለፎ ውሳኔ ብምቅዋም ምዃኑ ተሓቢሩ።

እዚ ቤት ሕክምና’ዚ ናይ ኤይድስ ተሓዋስ ንኸይስፋሕፋሕ ብዝሕቦ ክንክን ጥዕናን ሓበሬታ ሕማም ኢይድስን ኣብ ሕንጸት ሕዝቢ ዓቢ ተራ ዘለዎ ቤት ሕክምና ክነሱ ክዕጸው ምውሳን እቲ ሚሊዮኒዩም ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሕብራት መንግሥታት መደብ ምዕባለ ክብጻሕ ዝኣመቶም ሸቶታት ዘርሕቕ ምዃኑ እቲ ኣብ ሞዛምቢክ ንሕሙማን ኤይድስ ዝሓሊ ማኅበር ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብር።








All the contents on this site are copyrighted ©.