2009-08-04 14:24:36

ማኅበራዊ መርበብ


ናይ ዌስትሚንስተር ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኢንግሊጣርን ወይልስን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቪንሰንት ኒኮልስ፣ ብዛሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢንግሊጣር በቲ ቤቦ ዝተሰምየ ድረ ገጽ ተጠቂማ RealAudioMP3 ኣብቲ ነዋግዕ ዝብል ገጽ ብምእታው ናይቶም ቀጥዒ ኣልቦ ደሃልቲ ጉጅለ ግዳይ ኮይና ርእሰ ቅትለት ዝፈጸመ ጓል 15 ዓመት ጉዳይ ዘኪሮም፣ ማኅበራዊ መርብብ ብግቡእ እንተድኣ ዘይተጠቀምናሉ ክሳብ ክንደይ ሓደገይናን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ንገዛእ ርእስኻ ባዕዳዊ ኴይንካ ናይ ምንባር ንጹል ሕይወት ዝድርኽ ከምዝኾነን ኣብራህሪሆም፣ ንብዙሓት መንእሰያት ናብ ርእሰ ቕትለት ይድርኽ ኣሎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ መራኸቢ ብዙኃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ትገናይ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ምዕባለ ኣዚዩ ቅልጡፍን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ርሕቐት ኣቅማምጣ መሬትን ኅብረተሰብን እናጥፍኤ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ እዚ ፍጡን ከይዲ እዚ ግን ኣሉታውን ኣወንታውን ባህርይ ዘለዎ ኢዩ። ብዝሓለፈ ዓመታዊ ዕለት መራኸቢ ብዙኃን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ “መራኸቢ ብዙኃን ማሕበረሰብ ክቕውምን መንእሰያት ክቀራረቡን ዕርክነት ከቕውሙን ዝሕግዞም ኢዩ” ኢሎም ‘መራኸቢ ብዙኃን ንሕማቕን ንጽቡቕን ኪኸውን ዘኽእሎ ዕቑር ዓቕሚ ወይ ድማ ተኽእሎ ኣለዎ’ እንክብሉ ዝጠቐስዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ መራኸቢ ብዙኃን ብሓደ ሸነኽ ዘቀራርብ ከንሱ ከረሓሕቕ ዝክእልን ናብ ዝተነጸለ ሕይወት ዝድርኽ እውን ኢዩ፣ ስለዚ ድማ ናይ ዌስተርሚኒስተር ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ኣጠቓቕማ መራኸቢ ብዙኃን ጥንቃቄ ከህሉን፣ ብሕልፊ ድማ መንሰይ ወለዶ ኣብ ሓላፍነት ክህነጽ ከምዘለዎን ዘተሓሳስብ ኢዩ፣ ብናይ መራኸቢ ብዙኃን መገዲ ተጠቂምና ብዙሓት የዕሩኽ ዘይኮነ እንታይ ዓይነት የዕሩኽ ነጥሪ ከምዘሎና ገዛእ ርእስና ክንሓትት ይግባእ፣ ስለዚህ ዕርክነት ቀንዲ ትርጉሙ ክቕህም የብሉን። ንመንሰይ ወለዶ ድማ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ዝተጠቕሰ ሓሳብ፣ ብዝተፈላለየ መገዲ ሕንጸት ክረክብ ኣለዎ ኢሎም፣ ኣብ ኤውሮጳ ብዙሕ ርእሰ ቕትለት ከምዝፈጸምን ርኡይ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ናይ ሃገርን ኅብረተሰብን ማሕበረሰብን ማእከል ዝኾነ ስድራ ቤት ምድጋፍ የድሊ እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስትያን ቀንዲ ዕላማ ኢዩ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.