2009-08-01 13:29:20

ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ገና መድሓኒት ብዘይተረኸበሉ ሕማም ዝሓመሙን ኣብ ስቃይ ዘለዉ ሰባት፣ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ክወሃቦም ኣተድኣ ሓቲቶም፣ ትግባሬ ሕቶኦም ዝፈቅድ መምርሒ ጸረ ሕይወት ምዃኑ ሓቢሮም፣ RealAudioMP3 ኵሉ ካቶሊክ እዚ ውሳኔ እዚ ንኽቃወሞ ከምዘተባብዑ ተግሊጹ።

ኣብ ካናዳ ናይ ዊኒፐግ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ካናዳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቨርኖን ጄምስ ዋይስገርበር፣ ኩሎም ካቶሊካውያን ምእመናን ኣቲ ናይ ካናዳ ሕዝባዊ ባይቶ ዝዘራረበሉ ዘሎ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሓብ ዝፈቅድ ንድፈ ሕጊ ኣጸቢቖም ክርድእዎን፣ ክቃወምዎን ከምዘተሓሳሰቡ ተፈሊጡ። ብፁዕ ኣቡነ ዋይስገርበር ንመላእ ቁምስናታት ካናዳ “ሕይወትን ስድራን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ ዝብል ውሳኔ ቤተ ክርስትያን ዘለዋ ኣረኣእያን፣ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ምሃብ፣ ፍቑድ ምግባሩ ብኻልእ ተሓጊዝካ ርእሰ ቕትለት ምፍጻም ከምዝኾነ ብዕምቆት ከምዘረድኡ ተገሉጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.