2009-08-01 15:28:29

ቅዱሳን ቦናቮንቱራን ቶማስ በዓል ኣኵኖን


ናይ ቅ.መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተም ከምዝገለጾ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣሰር ቅ.ቦናቮንቱራ ተኸቲሎም ኣብ ዓዲ ጣሊያን ብኣ.ፈ ዝመጽእ ሽድሽተ መስከረም ቪተርቦን ባኞረጆን ኪበጽሑ ከምዝኾኑ ተመልኪቱ። RealAudioMP3

በዚ መደብ’ዚ መሠረት ቅዱስነቶም ሸድሽተ መስከረም ንግሆ ሰዓት ዓሰርተን ርብዒን ኣብ ቪተርቦ ብዙኅ ሕዝቢ ዝሳተፈሉ ናይ ኣደባባይ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ኣብ ቤተ መቅደስ ቅድስቲ ሮዛ ሓላዊት ቅድስቲ ከተማ ቪተርቦ ክጽልዩ ድኅሪ ቀትሪ ድማ ቤተ መቅደስ ድንግል ማርያም  ኮርቻ ሓላዊት ሰበኻ ቪተርቦ በጺሖም ካብኡ ብሄሊኮፕተር ናብ ተውልዲ ከተማ  ቅ.ቦናቮንቱራ ባኞረጆ ኪበጽሑ ከምዝኾኑ ተነጊሩ ኣሎ።

ቅዱስነቶም ባኞረጆ ምስ በጽሑ ኣብ ካተድራል ቅ.ኒኮላ ኣቲዮም ነቲ ኣብኡ ተዓቒቡ ዝርከብ ቅዱስ ዓጽሚ ቅ.ቦናቮንቱራ ከኽብሩን ክሳለሙን እዮም፣ ነቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ድማ ኣብ ባኞረጆ ኣደባባይ ቅ.ኣጎስጢኖስ ምስ ተቐማጦ ሕዝቢ እታ ከተማ ብዘካይድዎ ርክብ ክዛዝምዎ ኣዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.