2009-08-01 13:32:16

ማእከላይ ምብራቕ


ናይ ሕዝቢ ዕድሎት ኣብ ኢዶም ንዝኾነ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ጸሎት ክግበር ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ኣብ ቅድስቲ መሬት RealAudioMP3 ኣብ ምብጻሕ ንዝረክቡ 1700 ናይ ፈረንሳይ መንእሰያት ተቐቢሎም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኺ ከምዘተሓሳሰቡ ተሓቢሩ። ንሰላም ካብ ውግእ ንላዕሊ ዝፈርሕዋ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ከምዘለዉን፣ እዚኣቶም ድማ ግጭት መፍትሒ ከይረኸበ ክቅጽል ከምዝገብሩ ከምዘረድኡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብ ማኣከላይ ምብራቕ ዝርኤይ ስደት ክርስትያንን ስእነት ሥራሕን ድኽነትን ተነጺልካ ምንባርን ካብ ስእነት ሰላም ዝነቐለ ጾር ምዃኑ ገሊጾም፣ ኣብቲ ብስእነት ሰላም ዝሳቐ ክፍሊ ዓለም ዝተወልደ ናይ ሰላም ንጉሥ ክትደልዩ ብምምጻእኩም ንናይ ማእከላይ ምብራቕ መንሰያት ክርስትያን ተስፋ ኢዩ፣ ስለዚህ ክርስትያን ተኸታሊ ክርስቶስ ኢዩ እሞ ሰላም ኣብ ኵሉ ሥፍራ ክደልያን ከረጋገጻን ሓላፍነት ኣለዎ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝሃቦ ምንጪ ዜና የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.