2009-08-01 13:21:14

ህንዲ


ኣብ ህንዲ ኣብ ግዝኣት ካርናታካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ማንጋሎረ ኣባ ጃምስ ሙካለል ዝተብሃሉ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካህን ብዘይተፈልጡ ሰባት ከምእተቐትሉ ተሓቢሩ። ናይ ስርዓት ሲሮ ማላባረሰ RealAudioMP3 ሰበኻ ቤልዛንጋድይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ላውረንስ ሙኩዝህይ “እቲ ቅትለት ብኸተርቲ ዝተፈጸመ ኢዩ ቢልካ ምእማን ጌጋ ኢዩ” ቢሎም፣ “ኣባ ሙካለልን ብኣባላት ቁምስናኦም ፍቱውን ንኡድን ካህን ከምዝነበሩን” ሓቢሮም፣ “ንኻልኦት ዝሓስቡ ውፉይን ቀናእን ሰባኺ ወንጌል ከምዝነበሩን” ገሊጾም፣ “ጸላኢ ዘይነበሮም ብዅሉ ፍትው ስለ ዝነበሩ ድማ ናይ ሞቶም ተሓታቲ እዚ ኢዩ ቢልካ ንምግማት ዘጸግም ኢዩ” ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣግልግሎት ሓቢሩ።

ናይ ህንዲ መላእ ክርስትያን ቤት ምኽሪ “ናይ ከባቢ ማንጋሎረ ሓይሊ ጸጥታ ነቲ ዝተፈጸመ ናይ ሞት ገበን ከጻርይን ተሓተቲ ንፍርዲ ንምቕራብ ምርመራኡ ክበርትዕ ሓደራ” ከምዘብለ ክንገር ኣንከሎ፣ ኣብዚ ክሊ’ዚ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ዓመጽ ክምዝፍጸም እውን ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት አዘኻኺሩ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ በቶም ኣኽረርቲ ናይ ሒንዱ ምእመናን መጠነ ሰፊሕ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዝፈነዉላ ከተማ ኦሪሳ ዕለት 23 ነሓሰ 2009 ዓ.ም.ፈ. መዓልቲ ሰላምን ስምምዕን ውህደትን ክኽበር ምዃኑ እቲ ናይ ዜና ምንጪ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.