2009-07-30 15:34:37

ዴሞክራሲያዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ


ኣብ ዴሞክራሲያዊ ሬፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ውግእን ዓመጽን ጾርን መቕጻዕትን፣ ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክወገድ ኣቢያተ ክርስትያናት ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ተበግሶታት ከምዘሳልጣ ክንገር እንከሎ፣ ዓለም ሓቆፍ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያናት ኣብ’ዛ ሃገር ዝተፈላለዩ ዕጡቃት ሓኃይልታት ብዘበግስዎ ውግእ ሕዝቢ’ዛ ሃገር ኣብ ስቓይን መከራን ወዲቑ ከምዝርከብን፣ ኣ RealAudioMP3 ብ ግምት ብምእታው ኣብዛ ሃገር ንምርግጋጽ ሰላም ዝመርሕ ድላይ ምክብባርን ምቅብባልን ንምንቕቃሕን ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ወፈራ ንምትብባዕ ናብ ጎንጎ ዴሞራሲያዊት ሬፓብሊክ ልኡኻት ከምዝሰደደ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ላዕለዋይ ድርገት፣ ዴሞክራሲዊት ሬፓብሊክ ኮንጎ ምስ ሩዋንዳን ብሩዲን ካብ ዘዳቡባ ከባቢ ልዕሊ 35 ሺሕ ሕዝቢ በቲ ዕለት 12 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኡቪራ ደቡባዊ ኪቩ ብዝካየድ ዘሎ ውግእ ምኽንያት ከምእተመዛበለን ሓቢሩ፣ እዚ ድማ ካብ ወርሒ ጥሪ 2009 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኣብዛ ሃገር ብዝካየዱ ውግእ ምኽንያት ዝተመዛበለ ሕዝቢ 536 ሺሕ ከምዝበጽሐ እቲ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ላዕለዋይ ድርገት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.