2009-07-30 15:31:30

ንሓለዋ መላእ ዓለም


ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ቸለስቲኖ ሚሊዮረ ኣብ ዋዕላ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ “መንግሥታትን ማኅበረሰብ ዓለም ሓቆፍን ናይ ሃይማኖት መራሕትን RealAudioMP3 ንሓለዋ መላእ ዓለም ክተሓባበሩ ይግብኦም” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

“ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም እቲ ንዓመጽን ንኅልቀት ደቂ ሰባት ምኽንያት ዝኾነ ዓሌታዊ፣ ቀቢላውን ሃይማኖታውን ጽልእን ዘይምቅብባልን ዘይምክብባርን ብተደጋጋሚ ከምዝረአ” ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ሚሊዮረ “እምነት ደገፍ ዓመጽ ጌርካ ክትጥቀመሉ ኣብ ልዕሊ እምነት ዝፍጸም ምዝመዛ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ እዚ ኸኣ ሃይማንታዊውን ሰብኣውን ምግባረ ብልሽውና ማለት ምዃኑ ተንቲኖም፣ ምእንቲ’ዚ “ናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ እዚ ዓይነት ጉጉይ ኣጠቓቕማን ኣተሓሳስባን ሃይማኖት ንምብዳሕ ዝተጸውዑ ኢዮም፣ ስለምታይሲ እምነት ገማማዕን ከፋፋልን ዘይኮነስ ምኽንያት ምትሕቝቛፍ ኢዩ። እምነት ማኅበረሰብ ዓለምን ሰላም ንምትብባዕን ንምርግጋጽን ደቂ ሰባት ንሓድ ሕዶምን ይቕረ ከበሃሃሉ ዘኽእሎም ዕቝር ውሽጣዊ ሓይሊ ኢዩ” ኢሎም።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት መራሕቲ ኵለን ሃይማኖታት ዓለም ዘተኣኻኸበ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ዘኪሮም፣ እቲ ዋዕላ’ቲ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይቲ ቍልጡፍ ምልውዋጥ ዘርእይ ዘሎ ዓለም ግቡእ ድሌት ምላሽ ንምሃብ ዘብቕዖ መዋቕራዊ ኅዳሴ ከምዘድልዮ ኣተሓሳሲቡ ከምዝነበረን” ጠቒሶም፣ “ህዝቢ ካብቲ ዘስግኦ ዓሌታዊ ህልቀትን ናይ ውግእ ግበናትን ምንጻት ዓሌትን ሰብኣዊ ገበናትን ንምክልኻል ቀዳማይ ዕላማ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ ሽዑዑ ኣውጺእዎ ኣብ ዝነበረ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ ከምዝርከብ ዘኪሮም፣ ኣቲ ጉባኤ’ቲ ናይ መንግሥታትን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሓላፍነት፣ ሕዝቢ ካብ ሓደጋ ምክልኻል ከምዝኾነ ተገሊጹ፣ ዝተፈላለዩ መንግሥታት ኣብ ልዕሊ ሕዝቦም ንዝፍጽምዎ ዓመጽ ደው ንምባል ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ሥልጣን ከምዘለዎን፣ እዚ ሓላፍነቱ እዚ ዓመጽ ብዓመጽ ምውጋድ ዘስምዕ ዘይኮነስ፣ ናይ መንቀሊ ዓመጻት መምዩ እቲ ዓመጽ ካብ ሡር መሠረቱ ንምጥፋእ ድማ ኣተዓራቕን ናብ ዘተ ዝዕድምን ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ ከምዘነበረን፣ ውሳኔ ማዕቀብን ተልእኾ ዓቀብቲ ሰላም ድማ ነዚ ዘገልግል ደኣ እምበር፣ ሓዊ ዘጓሃህር ክከውን ከምዘይብሉን ምእንቲ’ዚ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ናይ ጸጥታን ደህንነትን ቤት ምኽሪ ሥልጣን፣ ሕዝቢ ካብ ዝተፍላለየ ነዘጋጥሞ ሓደጋ ንምንጋፍ ውሳኔኡ ካብ ኣድላዪ ልግስነት ዝምንጭ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.