2009-07-28 14:32:32

ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር


ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ናብ ሃገራት ኤወሮጳ ዝግበርዎ ጸኣት ብላምፔዱዛ ጥራሕ ዘይኮነስ ብማልታ እውን ከምዝፍጸም ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ጨንፈር ማልታ ብምዝኽኻር፣ RealAudioMP3 ኣብ ማልታ ዘሎ ናይ ስደተይናታት መዕቆብን ኣተሓሕዛ ስደተይና ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዘየኽብር ኢዩ ከምዝበለ ተሓቢሩ።

እቶም ስደተይናታት እቲ ነዊሕ ናይ ባሕሪ ጉዕዞ ዘስዕበሎም ጉድለት ጥዕና ኣብ ግምት ዘየእቱ ሥርዓት ኣተሓሕዛን ብምንቃፍ ንደቀ ንስትዮን ሕጻናትን ፍሉዩ ቆላሕታ ክግበረሎም ከምዝጸወዔ ክንገር እንከሎ። እዚ ዶብ ኣልቦ ማኅበር ሓኻይም ነቶም ስደተይናታት ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ስነ ኣእምሮን ከምዘቕርብን ነቶም ስደተይናታት ብዛዕባ መሰል ስደተይና ኣፍልጦ ኽህልዎም ዝሕግዞም ሕንጸት እውን ከምዘቕርብ ተሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ጨንፈር ዶብ ኣልቦ ማኅበር ሓኻይም ኣብ’ዛ ሃገር ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ሕድ ሕድ ግጭት ብናይ ሰላም ስምምዕ ደው ካብ ዝብል እነሆ ዓርባዕተ ዓመት ዝሓለፎ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ጊዜ ውግእ ዝተቕብሩ ጸረ ሰብ ፈንጂታት ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋ የስዕብ ከምዘሎ፣ ኣብ ሱዳን ከተማ ናሲር ናይ ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ቤት ሕክምና ኣመሓዳሪ ዳቨ ክሮፍት ሓቢሮም እቲ ከባቢ ብጸረ ሰብ ፈንጂ ዝተመልኤ ከምዝኾነን ኣበይ ኣበይ ከምእተቐብረ ብንጹር ዝሕብር ስእሊ መሬት ብዝይ ምኅላዉ ድማ ዓቢ ጸገም የስዕብ ከምዘሎ ሓቢሮም ምእንቲ’ዚ ንምንቃልን ምፍሻልን ዝተቐብሩ ፈንጅታት ዓቢ ደገፍ ክግበር ከምዘተሓሳሰቡ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.