2009-07-28 16:16:22

ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ኡክራይን ይበጽሑ ከም ዘለዉ ይምልከት.

 


ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል አብ ኡክራይን ወግዓዊ ምብጻሕ ከም ዝጀመሩን ኪየቭ ከም ዝአተዉን ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ አሎ።

በዚ ዜና’ዚ መሠረት በፁዕ ወቅዱስ ክሪል ምስቶም አብ ኡክራይን ዝርከቡ ወኪላት አብያተክርስትያናት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስይታናት ክራኸቡ ኢዮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ኪየቭ ፓትርያርክ ፊላረተ ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ክሪል ኡክራይን ምብጻሕ ከም ዘይደገፍዎን ኡክራይን ማለት ሩስያ ማለት አይኮነን ብማለት መግለጺ ምሃቦምን ተነጊሩ። ፓትርያርክ ሞስኮ ክሪል አብ ኡክራይን ዘካይድዎ ምብጻሕ ሐዋርያዊ ድአምበር ፖሊቲካዊ አይኮነን ኢሎም ከም ዝመለሱ ተፈሊጡ አሎ ።

ቤተክርስትያን ኡክራይን ድሕሪ ውድቀት ሶቭየት ሕብረት በ1992 አብ ሰለስተ ከም ዝተመቅለት ዝዝከር ኢዩ።

ናይ ሞስኮ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ክሪል አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ሐምለ መጀመርያ ቁስጢንጢንያ ከም ዝበጽሑን ምስ ብጹዕ ወቅዱስ ባርቶለዮ ቀዳማይ ከም ዝተራኸቡን ይዝከር ።








All the contents on this site are copyrighted ©.