2009-07-28 14:29:55

ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ምስጋና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንዝኣወጅዎ ዓመተ ካህን መሠረት ብምግባር ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ 2007 ክሳብ 2011 ዓ.ም.ፈ ብዝሓንጸጽዎ መደብ መሠረት ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት RealAudioMP3 ኣብ ኮሎምቢያ ከተማ ቦጎታ ኣብ ዘካይድዎ ስሩዕ ሳልሳይ ኣኼባ፣ ንር.ሊ.ጳ. ምስጋና ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ቅዱስነቶም ትርጉምን ተልእኾን ሓዋርያዊ ኃላፍነት ካህን ኣነጺሮም ኩሎም ካህናት ከተኵሩሉን ክኽተልዎን እውን ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካራይቢን ንውሉደ ካህናት ከምዘተሓሳሰቡ እውን እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። ብተወሳኺ ድማ እቲ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢም ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዱስ ኣቦና ካሪታስ ኢን ቨሪታተ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእክቲ መሠረት ብምግባር ንር.ሊ.ጳ. ምስጋናኦም ኣቕሪቦም እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ነቲ ኣብ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ዘጋጥሙ ዓበይት ጸገማት ንምብጻሕ ማኅበረሰብ ዓለም ክኽተሎ ዝግብኦ መገዲ ንኸለሊ እትሕግዝ ኢያ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ናይቲ ጉባኤ ናይ ሓባር መግለጺ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ንመንበረ ጴጥሮስ ዘለዎም ምእዙዝነትን ምስ መንበረ ጴጥሮስ ዘለዎም ኅብረት ደጊሞም ብምርግጋጽ፣ እግዚኣብሔር ንር.ሊ.ጳ. ኣብ ተልእኾእም ክድግፎምን ከበርትዖምን ኣብ ናይ ጴጥሮስ ሓላፍነቶም ናይ ክርስቶስ ብርሃንን ጥብብን ከሰንዮም ጸሎት ከምዘቕረቡን ኣብ መደምደምታ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ንናይ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ንብፁዕ ካርዲናል ረ መልእክቲ ከምዘተሓላለፉን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.