2009-07-28 14:31:20

ብፁዓን ጳጳሳት ፊሊፒንስ


ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ቅዱስ ፈርናንዶ ሰበኻ ካህን 55 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣባ ኤዲየ ፓንሊዮ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝካይድ ሕዝባዊ መረጻ ሓዱሽ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ብምቛም ሕጹይ ተመራፂ ኴይኖም ክቐርቡ ምዃኖም ከምዘፍለጡ እንክሕበር RealAudioMP3 ፣ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ነዚ ናይ ኣባ ፓንሊዮ ውሳኔ ምስ ክህነታዊ ጸዋዕታ ዝይቃደው፣ ክህነት ምስ ናይ ፖለቲካ ሥልጣን ዘየሰማማዕ ምዃኑ ከምዝሓበሩ ኤሺያን ኔውስ አፍሊጡ።

ኣባ ፓንሊዮ ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. ንናይ ኣውራጃ ፓምፓንጋ ኣመሓዳሪ ንኽኾኑ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተወዳዲሮም ናይታ ኣውራጃ ኣመሓዳሪ ንምዃን ከምዝበቕዑ ክንገር እንከሎ፣ በዚ ምኽንያት ድማ ክህነታዊ ኣገልግሎቱ ንኽይፍጽም ብፁዕ ኣቡነ ፓሲያኖ ኣኒቸቶ ብሕገ ቀኖና መሰረት ከምዝኣገደዎም ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ፊሊፒንስ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ዝሓለፈ ዕለት 12 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ውጽኦ መገልጺ ጸዋዕታ ክህነትትን ናይ ፖሊቲካ ሓላፍነትን ብሓደ ዝይከይድ ምኳኑ ከምዘረድኡን እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕገ ቀኖን ዝእዝዞን ምዃኑ ከምዘመልከቱ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.