2009-07-28 16:16:42

መልእኽቲ ተቅዋማት ሚስዮናውያን ንጳጳሳት ኢጣልያ.


እቲ ብዝሐት ገዳማትን ማኅበራትን ዝሐቁፈ ተቅዋም ሚስዮናውያን ኢጣልያ ዝብሀል ማኅበር ንኹሎም ጳጳሳት ኢጣልያ ዝልአኾ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ ፡ ጸዋዕታ ሚስዮናውያን ይጠፍእ ስለ ዘሎ ኩነታት ናይተን አብ ትሕቴኹም ዘለዋ ሰበኻታት አጽኒዕኩም ጠንቂ ናይዚ ሀብቲ ቤተክርስትያን ኢጣልያ ዝኾነ ተልእኾ ቅዱስ ወንጌል ምዝሕታል ንገሩና ይብል።

ሲር ዝተባህለ አገልግሎት ዜና ከም ዘመልክቶ እዚ በቶም ሊቀመንበራት ተቅዋም ሚስዮናውያን ኢጣልያ አባ አልበርቶ በሉኪን እናቴ ካርመላ ኮተርን ዝተፈረመ ንጳጳሳት ኢጣልያ ዝተላኸ መልእኽቲ ጸዋዕታ ልዑካነ ቅዱስ ወንጌል ማለት ሚስዮናውያትን ሚስዮናውያንን ፍጹም እናውሐዱ ይኸይድ ስለ ዘሎዉ ምኽንያቱ ተጸኒዑ ፈውሲ ክድለየሉ አለዎ ።

አብ ቤተክህነት ኢጣልያ ናይ ተቅዋም ሚስዮናውያን ከምቲ ቀደም ዝነበሮ ብሩህ ኮይኑ ይርኤ የሎን እሞ ጳጳሳት ኢጣልያ ተገዲሶም መሰረታዊ ፍታሕ ከደልዩ ዘተሐሳስብ መልእክቲ ከም ዝኾነ ነቲ መልእኽቲ ዝተዓዘበ ሲር አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።ማእከል ሰበኻታት ሚስዮናውያን ጣልያን ዳግመ ተሐድሶ ክግበረሉ ክአተቅዋም ሚስዮናውያን ኢጣልያ በቲ ንኹሎም ጳጳሳት ዝጽሐፎ መልእክቲ ከም ዘተሐሳሰበ እቲ ዜና አገልግሎት አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.