2009-07-27 08:37:33

ፍቕሪ ኣብ ሓቂ


“ካሪታስ ኢን ቨሪታተ” ዘርእስታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽት ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ዓቢ ትኵረትን ኣቃልቦን ከምእተገበረላ ተሓቢሩ። ናይ’ዛ ሃገር RealAudioMP3 ዝተፈላለያ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ማዕከናትን ጋዜጣታትን ብዝተፈላለየ ዓምድታትን ክፍሊ ስነ መጽናዕትታት ዝቐረበ ትንታኔን ርእይቶን የቕርባ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

እዛ ንናይ ስነ ኤኮኖሚ ናይ ስነ ማኅበራዊ ጉዳይን ናይ ስነ ታሪኽን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንትን ምሁራትን መስኅቦ ኮይና ዘላ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና፣ ጆርጅ ዋይግል ዝሃብዎ ትንተና ኣብ ናሽናል ሪቪው ንሕትመት ዘብቆዖ መሠረት ብዙሕ ይዝረበላ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ብዛዕባ ማኅበራዊ ጉዳይ ዝምልከቱ ሕቶታትን ተርእዮታትን ብምድሕሳስ ኣብቲ በምሳልን ኣርኣያን ዝተፈጥረ ሰብ ዘማእከለ ብቑዕ ሞራላውን ስነ ምግባራውን ባህላውን መንፍሳውን መልሲ እትህብ ከምዝኾነት እቶም ዝተፈላለዩ ምሁራት ብዝገበርዎ ዝተፈላለየ መጽናዕቲ ይሕብሩ።

ብሕልፊ ድማ ኣዛ ዓዋዲት መልእኽቲ እተቕርቦ ድሕሳሴ ከይዲ ዓለም ሓቆፍ ኤኮኖሚ ኣብ ስነ ሓሳብ ፖሊቲካ ዘይተሓጸረ ከምዝኾነ ሮስ ዱዛት ዝሃብዎ ርእይቶ ኣብ ዘ ኒይው ዮርክ ታይምስ ዕለት 12 ሓምሌ 2009 ዓ.ም.ፈ ዝቐረበ ሕትመት የመልክት። ከይዲ ኤኮኖምን ዓለማውነት ምትእስሳርን ምዕባለን ዘጋጥሞ ዘሎ ቅልውላው ብምትንታን እዚ ቅልውላው’ዚ ንብምዳሕ መገዲ እትሕብርን ምኳና ይንገር።

ሙያ ወይ ድማ ቴክኒክ ከም ፍጹም መፍትሒ ጌርካ ናይ ምሕሳብ ጸረ ሕይወት ከምዝኾነ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 12 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ተወኪሶም ኣብ ዝመሓላለፍዎ ኣስተምህሮ ከምዘመልከቱ ይንገር። ኤኮኖሚ ናይ ስሱዕ መኽሰብ መግለጺ ጥራሕ ጌርካ ምሕሳብ ንተክኒክ ፍጹም ጌርካ ካብ ምሕሳብ ዝነቐለ ጌጋ ረድኢት ከምዝኾነ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ከምእተስተምህር ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንቲ ይሕብሩ። ስለዚ’ህ ግብረ ገብን ሥነ ምግባርን መሠረት ዘይገበረ ከይዲ ኤክኖሚ እንታይ ከምዘስዕብ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ዝምስክሮ ከምዝኾነ እትገልጽን፣ ኅብረትን ጸጋን ፍቕርን ሓቅን ኣተብራህርህ ከምዝኾነት ሚካኤል ኒቫ ኣብ ዘ ካቶሊክ ቲንግ እተሰምየ መጽሔት ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ የመልክቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.