2009-07-27 08:39:51

ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ


ቀዳም ዕለት 25 ሓምለ 2009 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኢጣሊያን ስፐይንን ቅዱስ ያዕቆም ብዓቢ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ተዘኪሩ ከምዝወዓለ ተገሊጹ። ኣብ ስፐይን ኣብ ካቴድራል ሳንቲያጎ ዲ ኮምፖስተላ RealAudioMP3 በዓል ሓዋርያ ቅዱስ ያዕቆም ብስነ ሥርዓት ብቅዳሴ ጀሚሩ ቀጺሉ ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መደባት ደሚቑ ከምዝበዓለ ይንገር።

ኣብቲ ዝቐረበ መሥዋዕተ ቅዳኤ ናይ ታንጀሪ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሳንቲያጎ አግረሎን፣ ኣብ ሕንዲ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብጹዕ ኣቡነ ፐድሮ ሎፐዝ ኵይንታናን፣ ናይ ንኡሳን ኣኃው ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቃ ኃው ኾሰ ሮድሪገዝ ካርባሎ ከምእተሳተፉ ተገሊጹ።

ኣብ ሮማ ነዚ ናይ ስፐይን ሓላዊ ቅዱስ ሓዋርያ ያዕቆብ ንምብዓል ጳጳሳዊ ናይ ሥርዓተ ኣምልኮን ቅዱሳት ሚስጢራት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል አንቶኒዮ ካኚዛረስ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.