2009-07-27 08:36:10

ሃብታማት ሃገራት ረብሓን ቅሳነትን ስደተይናታት መኸላእታ ይፈጥሩ


ኣብ ኢጣሊያ ተቛም ኢኖቸንቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ ሕጻናት መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ተቛም ምስ ናይ ሕብራት መንግሥታት ክፍሊ ሓልዮ ሕጻናት ብምትሕብባር “መነባብሮ ስደተይናታትን ደቃቶምን RealAudioMP3 ኣብ ሃብታም ሃገራት” ብዝብል ኣርእስቲ ዝገበሮ ፍልዩ መጽናዕቲ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ፊረንዘ ብወግዒ መግለጺ ከምእተወሃበሉ ተሓቢሩ።

እቲ ሰነድ ከምዘመልክቶ ኣብ ሃብታም ሃገራት ዝነበር ስደተይናታትን ደቃቶም ኣብ ዝነብርሉ ሃገርን ምስ ዘእንገዶም ሃገር ሕዝቢ ተወሃሂዶምን ተላልዮምን ቀሲኖም ክንበሩ ዘኽእሎም ሥርዓት ከምዘየሎን፣ እዚ ድማ ነቲ ተርእዮ ማሕበረሰብ ንምምሕዳሩ ዝገበር ጻዕሪ ነቲ ስደተይናን ሽግሩ ዘየማእክል ካብ ኣሉታዊ ርድኢት ዝነቐለ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ሃብታማት ሓገራት ካብ ዝነብሩ ስደተይናታት ዝውለዱ ሕፃናት ካብቲ ዘእንገዶም ሃገር ዜጋታት ዝውለዱ ሕጻናት ከምዝበዝሑን ኣብ ሃብታማት ሃገራት ዘሎ ትሑት ናይ ወሊድ መጠንን ሃብታማት ሃገራት ንዘጋጥመን ዘሎ ዋሕዲ ሕዝቢ ዘመዓራርዪ ክነሶም፣ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ዝሕግዞም ኣመሓዳድራ ስደተይና ዝድግፍ ድላይ ከምዘየለ እቲ ሰነድ የመልክት።

ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ኣብ ኤልባንይ መንበረ ጥበብ መምህርን ናይ’ቲ ዝቐረበ ሰነድ ኣወሃሃዲ ዶናልድ ሄርናንደዝ “ካብ ስደተይና ስድራ ቤት ዝውለዱ ቆልዕ ኣብ’ቲ ወለዶም ብስደት ኣብ ዝነብርሉ ሃገር ጭቡት ኵነት ዝውለዱን ዝነብሩን ኢዮም፣ ኃይሊ ሃገር እውን ኢዮም፣ እንተኾነ ግን ብማኅበራውን ብናይ ኤኮኖሚያሚ ሽግር ኣዚዮም ዝጥቕዑ ክፍሊ ሕብረሰብ ኢዮም” ኢለን።

ኣብ ቶሪኖ መንበረ ጥበብ ናይ ስነ ሕዝቢ መምህር ለቲዚያ ሜንካሪኒ፣ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ስደተይናን ደቆምን መነባብሮ ኣመልኪተን ኣብ ዘቕረበኦ መጽናዕቲ፣ “ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ስደተይናታት ቀስተ ደመናዊ መልክዕ ዘንጸባርቑን፣ ንናይ ኤኮኖሚ ዕብየት ኃይሊ ክነሶም ተነጺሎም ንኽነብሩ ዝድርኾም ኩነት ኢዩ ዘጋጥሞም፣ ምስቲ ዝነብርሉ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ክንበሩ ዘኽእሎም ዕድል ክፍጠረሎም ግቡእን ግድን እውን ኢዩ፣ ስለዚህ መደብ ሥርዓት ትምህርትን ማኅበራዊ ፖለቲካን ንውህደት ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበላ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.