2009-07-25 16:27:47

አብ አ’ኦስታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተመርሔ ጸሎተ ሰርክ ተፈጺሙ.


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ ሰሜናዊ ኢጣልያ አብ ቻለት ዲ ለስ ኮምበስ ዝብሀል ቦታ አብ ዕረፍቲ ከም ዘለዉ ክዝከር ከሎ ፡ ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ አብቲ አብ አኦስታ ዝርከብ ካተድራል ጸሎተ ሰርክ ከም ዝመርሑ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ዜና አመልኪቱ።

አብዚ ትማሊ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተመርሔ ጸሎተ ሰርክ አብ ውሽጢ ካተድራል አ’ ኦስታ ናይቲ ሰበኻ አርባዕተ ሚእቲ ዝኾኑ ካህናት ደናግልን ምእመናንን ከም ዝተሳተፉ ክምልከት ከሎ ፡ አብ ቀጽሪ ካተድራል ብዝሐት ምእመናን ነቲ ጸሎተ ሰርክ ከም ዝተሳተፍዎ ተፈሊጡ አሎ ።

ራድዮ ቫቲካን ነዚ ድሕሪ ቀትሪ አብ ካተድራል አ’ኦስታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተመርሔ ሥርዓት ጸሎተ ሰርክ ተኸታቲላ ከም ዘተሐላለፈቶ ይፍለጥ።

እቲ ሥርዓት ምስተፈጸመ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ አብ ቀጽሪ ካተድራል ኮይኑ ነቲ ጸሎተ ሰርክ ዝተሳተፈ ህዝቢ ብመስኮት ተቀልቂሎም ሰላምታን ሐዋርያዊ ቡራኬን ከም ዝሀቡ ክአ ነቲ ጸሎት ዝተኸታተሉ መራኸቢ ብዙኀን ቅድስቲ መንበር ሐበሬታ ሂቦም አለዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ናብቲ ዘዕርፍሉ ዘለዉ ቦታ ለስ ኮምበስ ምምላሶም አብቲ አብ አ’ኦስታ ዝርከብ ኢንትሮድ ዝብሃል ማእከል ሽማግለታትን ሕክምናን ብምኻድ ነቶም አብኡ ዝርከቡ ከም ዝበጽሕዎም ክአ እቶም መራኸቢ ብዙኀን አመልኪቶም።

አብዚ ግዜ፡ዚ አብ አ’ኦስታ ቅዱስ አንሰልሞ ዘ አ’ኦስታ ዝዓረፈሉ ብ1109 መበል ትሽዓተ ሚእቲ ዓመት ዝዝከረሉን ዝኽበረሉን ግዜ ከም ዝኾነ ይዝከር።

ቅዱስ አንሰልሞ አባል ማኅበር በነዲክታውያን ከም ዝነበረ ክዝከር ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ መሠረት ብምግባር ንናይ ገዳም በነዲክታውያን ሐለቃ ዶም ኖተር ዎልፍን ናይቲ ዝኽረ ትሽዓተ ሚእቲ ዓመት ዕረፍቲ ቅዱስ አንሰልሞ አብ አ’ኦስታ ክውክልዎም

ዝሰየምዎም ንብፁዕ ካርዲናል ጂያኮሞ ቢፊን መልእኽቲ ከም ዝሰደዱሎም ይምልከት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብቲ ንኽልቲኦም አበው ዝልአኽዎ መልእኽቲ፡ እቲ አብ ማእከላይ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ቅዱስ አንስልሞ ቲ በቲ ግዜ”ቲ አብ ጥቅኡን አከባቢኡን ዝነብር ዝነበረ ህዝቢ ነገረ መለኮትን ፍልስፍናን ይምህር ዝነበረ ንህዝቢ ናብ እግዚአብሔር ዘቅረበ ዓቢ ቅዱስ ከም ዝኾነ ዘዘኻክር መልእክቲ ከም ዝኾነ ተገሊጹ።

መልእክቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አተሐሒዙ ቅዱስ አንሰልሞ አብ ማእከላይ ዘመን አብቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ቫል ዳኦስታ ከይተወሰነ ንብሪጣንያን ፈረንሳን ተጋዒዙ ህልውና እግዚአብሔርን ንህዝቢ ዘረድኤ ሰብ እንተዘይ አሚኑ ክርዳእ ከም ዝሽግሮ ብምግላጽ እምነት ወሳኒ ከም ዝኾነ ቅድሚ ትሽዓተ ሚእቲ ዓመታት ዝሃበናይ ማእከላይ ዘመን ሐዋርያ ከም ዝኾነ ከም ዝገልጽ ይምልከት።

በቲ ግዜ”ቲ አብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝነበረ ምምሕዳር መንግስቲ አብ ጉዳይ ቤተክርስትያን ጣልቃ ምስ አተወ ቅዱስ አንሰልሞ ስለዝተቃወመ ከም ሊቀ ጳጳሳ ካንተበሪ ከም ዝተሐየረን ምስ መንግስቲ ምእንቲ ስምምዕ ክፈጥርስ ፡ ምስ ከሀሌ ኩሉ እግዚአብሔር አይብአስን ይሕየር ኢሉ ምስተሐየረ ድሕሪ”ቲማሕዩር ገዳም በነዲክታውያን መስሪቱ ካብ ገደም ፍጹም ንደገ ከይተቀልቀለ ሕይወቱ ብጸሎት አስተንትኖን ከም ዘሕለፈ እቲ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት







All the contents on this site are copyrighted ©.