2009-07-25 16:28:30

ቅድሚ ሰብዓ ዓመት ብሐደ አይሁዳዊ ዝተጻሕፈት መልእኽቲ.


ብግዜ ካልአይ ውግእ ዓለም ናዚ ጀርመን አይሁዳውያን የጥፍእሉ አብ ዝነበርሉ ግዜ ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን በቲ ግዜ”ቲ አብ መንበረ ጰጥሮስ ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተን ክልተን ዝፈጸምዎ ተግባረ ሰናይ ዘረድእ ብዕስራን አርባዕተን ሐምለ 1939 ብሐደ ኤማኑኤል ሰለር ዝተባህሉ ናይ ቤት መኽሪ አመሪካ አባልን አባል ማኅበረሰብ አሁድን በቲ ግዜ”ቲ ናይ አመሪካ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ንዝንበሩ ንኮርደል ሃል ዝጽሐፍዎ መልእኽቲ ከም ዘሎ ተነጊሩ።

እቲ ኤማኑኤል ሰለር ዝጽሐፍዎ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሥርዓታት ናዚስትን ፋሺስትን ንምግታእ ተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ንህንጸተ ዲሞክራሲ ክሕግዝ ስለ ዝክእል ሃይማኖታት አብ ሕብረተሰብ ጽቡቅ ጊደ ከም ዘለወን ክዝንጋዕ አይግባእን ።

መልእክቲ ሰለር ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንፍትሕን ሰላምን እተካይዶ ዝነበረት ጻዕሪ ዝንእድን ዘመጉስን ከም ዝነበረ ነቲ መልእኽቲ ዝርአዩ የመልኽቱ።

እዚ ቅድሚ ሰብዓ ዓመታት ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ነቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ብግዜ ህልቀተ አይሁድ አየተኸላኸሉን ንዝብሉ ሰባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል ዓሰርተ ክልተ ብዝክአሎም ኩሉ ናዚ ጀርመን አብ ልዕሊ አይሁድ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ እኩይ ተገባርን ካልአይ ውግእ ዓለም ክግታእን ዘካይድዎ ዝነበሩ ጻዕሪ ህያው ምስክር ክኰኖም ተስፋ ተነቢርሉ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.