2009-07-23 14:07:19

“ካብ ስነ ሓሳብ ምዝባዕ ክንየው”


ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልኽቲ ዝተወከሰ “ካብ ስነ ሓሳብ ምዝባዕ ክንየው” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ጎደና ኮለጆ ሮማኖ RealAudioMP3 ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስያን ቅድስቲ ማርታ ከምእተኻየደ እንክዝከር፣ ብምሉኦም ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳተፍቲ፣ ነቲ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖሚ ንምውጋድ ዓቢይ ኣበርክቶ ዘለዋ ምዃና ከምዝኣምኑላ ኣረጋጊጾም። ናይ ኢጣሊያ ናይ ሠራሕተይናን ማኅበራውያን ጉዳያት ሚኒ. ማውሪዚዮ ሳኮኒ እታ ቅዱስ ኣቦና ዘደረስዋ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ንኣመንትን ኢኣመንትን እትምልከት ኢያ እንክብሉ። ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበርን ናይ ትሬየስተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጃምፓውሎ ክሪፓልዲ፣ “ናይ ፖሊቲካን ናይ ኤኮኖምን ባህሊ ሕጽረት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ቤተ ክርስትያን እቲ ናይ ማሕበራውን ሰብኣውን ጉዳያት ዝምልከት ባህሊ ክብሪ ሰብ ዘማእከለ ክኸውንን ሓቀይና ምዕባለ ማለት ድማ ንሱ ምዃኑ ብምትንታን ተነቓቕሕ” እንክብሉ፣ “ምዕባለ ብፍትሕን ምትሕብባርን ክምራሕ አለዎ” ኢሎም።

እዚ ስነ ምግባርን ዕዳጋን ምዕባለን ቁጠባን ኤኮኖምን ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ እቲ ኣብ ዓለምና ኣዚዩ እናተስፋሕፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ምዝባዕ ስነ ምግባር ናይ ኩሉ ውድቀት መሠረት ከምዝኾነን፣ ሥነ ምግባር ዘየኽብር ከይዲ ኤኮኖሚ መሠረት ዘይተመዓራረየ ናብራን ኣብ ስስዔን ንዓይ ይጥዓመንን ተደሪኹ ዝቐውም ዓለማውነት ምትእስሳር ዘረጋግጽን ጠንቂ ምስፍሕፋሕ ድኽነትን ኣብ መግኖ ሃብታማትን ድኻታት ዘሎ ናይ ናብራ ፍልይ ኣዚዩ ኣና ገፈሔን ኣብ ድኽነት ዝርከብ ናብ ሕሱም ድኽነት ነቐንቆልቁል ከምዝገብሮ ናይዚ ኵሉ ሽግር መፍትሒ ድማ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 በዛ ዓዋዲት መልእኽቶም ገይሮም ዝህብዎ መርሕን ስልጣናውን ትምህርቲ ዝተተንተነሉ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝነበረ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.