2009-07-23 14:12:05

ሱዳን


ኣብ መንጎ ናይ ሱዳን መንግሥትን ኣብታ ብሃብቲ ማዕድን ነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ከባቢ አብየይ ዝርከቡ ነበር ደባይ ተዋጋእቲ ናይ ሓባር ስምምዕ ከምዝተረጋገጸ ተሓቢሩ። ድሕሪ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም.ፈ ነቲ ንዕሥራ ዓመታት ዝተኻየደን ን 2 ሚሊዮን ሕዝቢ ሞት ምኽንያት ዝኾነን ናይ ሕድ ሕድ ውግእ ንምውጋድ ተበጺሑ ዝነበረ ናይ ሰላም ስምምዕ፣ RealAudioMP3 ሕቶ አብየይ ንግዚኡ ኣብ ዘለዎ ክጸንሕ ከምዝገበረን ክዝከር እንከሎ፣ ዓለም ሓቆፍ ቤት ፍርዲ ኣያ ንጉዳይ ሕቶ አብየይ ዝሃቦ ውሳኔ መሠረት እቶም ነበር ደባይ ተዋጋእትን መንግሥቲ ሱዳንን ናይ ሓባር ስምምዕ ከምዘረጋገጹ ተሓቢሩ።

“ከባቢ ኣብየይን ከባቢ ብሉ ናይልን ጎቦታትን እተን ብናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ማዕድን ዝተዓደላን ምዃነን” ንናይ ሱዳን ስምምዕ ዝካየድ ናይ ኢጣሊያ ወፈራ ዝመርሑ ጆቫኒ ሳርቶር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ “እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ኣብ መላእ ሱዳን ምሉእ ሰላም ንኽረጋገጽ ዘተባብዕ ኢዩ” ኢሎም። “ዝኾነ ይዅን ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ክትትል ክብገረሉን ትግባሬኡ ምጽራይን ምክትታልን የድሊ እዚ ዓይነት ኣሠራርሓ ብዙሕ ግዜ ትኵረት ኣይግበረሉን ኢዩ፣ ኣብ ኣፍሪካ ዝራኣዩ ግጭታትን መብዛሕቲኡ ጊዜ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ንምቁጽጻር ኣሚቱ ኢዩ ዝብገስ፣ ኣብ ናይ ሰላም ስምምዕ ንኽብጻሕ ድማ እደ ኣታወነት ስለ ዘሎ ምዃኑ ኣረዲኦም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.