Home Archivio
2009-07-21 13:46:45
ፍቃድ ኣምላኽ ምስዓብ መሠረት ሓጎስ ኢዩ
ናይ ራቬናን ቸርቪያ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ዘገልገሉ ብጹዕ ካርዲናል ኤርሲሊዮ ቶኒኒ ትማሊ መበል 95 ዓመት ዕድሜኦም ኣብዒሎም። ብጹዕ ካርዲናል ቶኒኒ ካብ ሓረስቶት ሥድራ ዝተወልዱን
ገና ወዲ 11 ዓመት እንከለዉ ናብ ንኡስ ዘርኣ ክህነት ከምዝኣተዉን ወዲ 22 ዓመት ማዕርገ ክህነት ከምእተቐበሉን ኣብ መበል 54 ዓመት ዕድሜኦም ድማ ናይ ራቬና ቸርቪያ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ከምእተሸሙን ብር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድሜኦም ካርዲናል ከምእተሾሙ ይንገር።
ብምኽንያት መበል 95 ዓመት ዕድሜኦም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ “እቲ ክንኮኖ እንደልዮ ኵሉ ፍቓድ እግዚኣብሔር እንተድኣ ኮይኑ፣ መሠረት ሓጎስና ኢዩ፣ ካብ ድላይ እግዚኣብሔረ ወጻኢ ዝውሰድ ናይ ሕይወት ምርጫ ኩሉ ሓጎስ መሰል ኩነት ይፈጥረልና፣ ኣነ ገና እዚ ከይተረዳኣኒ ኣብ ንኡስ ዕድመይ ካብ መዓሙቕ ልቢ ብዝምንጭ ጸዋዕታ ተደሪኸ ክመሃርን ዝተፈላለየ ቋንቋ ከጽንዕን ሃረር እናበልኩ ነዚ ኣብ ውሽጠይ ዝስመዓኒ ጽቡቕ ድላይ ክእዝዞን ክቆጻጸሮን ዘይኮነስ ብኣኡ ተማሪኸ ክእዘዞን ክስዕቦን ኢየ ወሲኒ፣ ወለደይ ድማ እግዚኣብሔር ኣባኻ ዓቢ መደብ ኣለዎ እሞ ቅሩብ ኩን ይብሉኒ’ካ እንተነበሩ፣ ሽዑዑ ብዙሕ ይርደኣኒ ኣይነበረን፣ እናሓደረ ግን ኣብ ሕይወተይ እናተፈጸመ ብግሪ ዝራእኽዎን ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም።
“ስምምዕን ስኒትን ወለደይን ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣደይን ዝነበረ ፍቕርን ምክብባርን ሓልዮትን ሰላምን ነቲ ሓረር ዝብሎ ዝነበርኩ ካህን ናይ ምዃን ጸዋዕታ ክኽተል ዝሓገዘኒ ኩነት ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ ብኢየሱስ ተማሪኸን ነቲ ናቱ መገዲ ተኸቲሊ ናይቲ ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምድሓን መደብ ኣገልጋሊ ንኽኸውን ዘብቕዓኒ ብርታዔ መንፈስ ካብኡ ኢዩ፣ ካልእ ምዃን ዘይምጽዓር እቲ ዝኾንካዮ ኴይንካ ሕሉፍ ጣዕምን ስስዔን እናወገድካ መገድን ድላይ ኣምላኽን ምኽታል ኢዩ ዘገድስ፣ ስለዚህ ድላየይ ዘይኮነስ ኣብ ቤተ ክርስትያን ድላይ ኣምላኽ በቢ ዕለቱ ምስ ኵሉ ጉድለተይ ክኽተል ፈቲነ ኢየ። እነሆ ድማ ድላይ እግዚኣብሔር ንምፍጻም ምጽዓር ንገዛእ ርእሱ ነቲ እትኽተሎ መገድ ክትወጾ ሓይሊ ኢዩ ዝኾነካ፣ ጸጋ ኣምላኽ ድማ ኣይተፈለየንን ሕይወት መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓቢ ጸጋ ኢዩ” ኢሎም።
All the contents on this site are copyrighted ©.