2009-07-21 14:11:12

ብዛዕባ ሕማም ኤይድስ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ


ብዛዕማ ሕማም ኤይድስ ዝዝቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ድሕሪ ዓሠርተ ዓመት ናይ ዱርባን ጉባኤ ቀዳማይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ሓምሻይ ጉባኤኡ ትማሊ ከምዝጀመረ ተሓቢሩ። እዚ ኣብ ኬፕ ታውን ዝካየድ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ፣ RealAudioMP3 እዚ ቀዛፊ ሕማም’ዚ ንምድራትን ንምጥፋእን ዝካየዱ ዘለዎ ወፈራታት ዝምርምርን ዝተጨበጡ ተበጽሖታትን ገና ክብጽሑ ዘለዎም ሸቶታት ብምድሕሳስ ብሕልፊ እታ በዚ ቀዛፉ ሕማም ኣዚያ ዝተጠቕዔት ክፍሊ ዓለም ኣፍሪቓ ምዃናን ክሳብ 2010 ዓ.ም.ፈ ዘሎ ናይ ዓመት ገድብ ናይ ጸረ ኤይድስ ሕክምና ንዅሉ ክባጻሕን ክሳብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ፈ. ድማ በዚ ሕማም ዝተፈለኽፉ ብውሑድ 80% ናይ ሕክምና ደገፍን ፍወሳን ክረኽቡ መደብ ዝሕንጸጽን ዘተባብዕን ጉባኤ ከምዝኸውን ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብዚ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ’ዚ ናይ 2008 ዓ.ም.ፈ. ብናይ ስነ ሕክምና ናይ ኖበል ተሸላሚ ንምዃን ዝበቕዑ ፍራንሲስ ባረ ሲኑሲ ዝርከብዎም ናይ ሕክምና ሊቃውንትን ናይ ደቡብ ኣፍሪቓ ርእሰ ብሔርን ይሳተፉ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ዓለምና ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ተፊግዎም ከምዘሎ ዶብ ኣልቦ ናይ ሓኻይም ማኅበር ገሊጹ። ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ክንክን ጥዕና 33 ሚሊዮን ካብዚኣቶም ድማ 22 ሚሊዮን ኣብ ከባቢ ደቡባዊ ሰሃራ ዝነብር ሕዝቢ ዝርከብዎም በዚ ቀዛፊ ሕማም’ዚ ዝተጠቕዑ ምዃኖምን ኣብ ዓመት 2.7 ሚሊዮን ብናይ ኤይድስ ሕማም ተኅዋስ ከምዝልከፍን ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ. 2 ሚሊዮን ሕዝቢ በዚ ሕማም ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጋጠሞም የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.