2009-07-21 14:07:02

ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ኤውሮጳ


ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ዝተመሥረተሉ መበል 50 ዓመት ትማሊ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ሊዮን ብናይ’ዚ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር መጋቢ ዣን ኣርኖልድ ዴ ክለርሞንት ብዘስምዕዎ ዘረባ ጉባኤ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ። RealAudioMP3

“ኣቢያተ ክርስትያን ዝፈጸመኦ ጌጋን ጉድለተትን ኩሉ ክምርምራን ኣተባቢዖም፣ ጌጋኻን ጉድለትካን ተኣሚንካ ምንሳሕ ተስፋ ጌርካ ኩለንተናኻ ናብ እዚኣብሔር ኣምሪሕካ ብናቱ ጸጋ ተሓብሒብካ ብሓድሽ መንፈስ ንቕድሚት ምስጓም ምዃኑ” ኣረዲኦም። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እዚ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያን ኤውሮጳ ክሳብ 2011 ዓ.ም.ፈ. ዘገልግል ናይዚ ቤት ምኽሪ ቅርጽን መዋቕርን ከም በሓድሽ ዝምርምርን ሕዳሴ ዘምጽእ ናይ ሥራሕ ድርገት ብምቛምን ኣባላቱ ከምዝተሓረዩ ተገሊጹ።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኽቡ ናይ ቁስጥንጥንያ ሓድነታዊ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀድማይ፣ ኣብ ኤውሮጳ ምእንቲ ሓድነት ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ክርስትናት ዝግበር ጻዕሪ ኣመልኪቶም፣ ኣብ መግኖ እዚ ናይ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪታት ሕብረትን ዘሎ ርክብን ምትሕብባርን መዋቕራዊ ኮይኑ ስሩዕ መደብ ዘለዎ ክኸውን” እተስሓሳሲቦም። ካቶሊካዊት ቤት ክርስትያን ናይዚ ናይ ኤወሮጳ ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ኣባል ከምዘይኮነት ዝዝከር ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ “እታ ኣብ ክቡር ናይ ሃይማንቶን መንፈሳውን ክብሩ ዋጋ ሕይወት ብዘይ ምቛም እትምሥረት ዘላ ኤውሮጳ፣ ዘሕዝንን ዘይተረጋገጸ መጻኢ ዘኸትል ኵነት ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ኣብ መንጎ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያንን ሃገራት መንግሥታት ኤውሮጳን ምስ ኅብረት ኤውሮጳን ዘተ ክህሉ ምትብባዕ የድሊ” ኢሎም። ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ 17 ፍቕዲ 21 “…ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ...” ዝብል ብጸሎት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመርሐ ሓድነት ኣቢያተ ክርስትያን ክረጋገጽ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ድላይ ኢዩ። ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርትያን ብምሉኤን ክተሓባበራን ብሓባር ናብ ሓድነት ከቕንዓ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ናይ ኵለን ኣቢያተ ክርስትያን ድላይ ኢዩ” እንክብሉ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ዋና ጸሓፊ ኣባ ዱኣርተ ዳ ኩንሃ ነቲ ቤት ምኽሪ ናይ ኤወሮጳ ኣቢያተ ክርስትያናት ዘቕረቦ ጻውዒት መልሲ ከምዝሃበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ኤውሮጳ ኣቢያተ ክርስትያን ቤት ምኽሪ በዓል ምሥረታ መበል 50 ዓመት፣ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ወኪሎም ከም ተዓዛቢ ዝተሳተፉ ብፁዕ ካርዲናል ፊሊፐ ባርባሪኒን ብዛዕባ እቲ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለሚዮስ ቀዳማይ ምስ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ጽዑቕ ከኸውንን ዘቕረብዎን ሓሳብ ዝሕብር መልእኽቲ ብቐጥታ ናብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምዘመሓላለፉ ካብ ቅድስቲ መንበር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.