2009-07-18 16:06:22

ጳጳሳት ኮንጎ ረፓብሊክ ከም ዝተማረሩ ተነጊሩ፡


አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ ናይ ረፓብሊክ ኮንጎ ጳጳሳት ናይታ ሀገር ምግባረ ብልሽውና ተባሪዑ ኩለን ተቅዋማት መንግስቲ ከም ዘይሐዊ ሕማም መንሽሮ ይኸውን ከም ዘሎ ከም ዝተማረሩ ዘረድእ ሰነድ ከም ዝወጸ ተገሊጹ።

እቲ ሰነድ ረፓብሊክ ኮንጎ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ዝወጸትሉ መበል ሐምሳ ዓመት መሠረት ገቢሩ ከም ዝወጸ ክአ ይምልከት።

በቲ ጳጳሳት ኮንጎ ረፓብሊክ ዘውጽእዎ ሰነድ መሠረት፡ ማሕበራውያን ትሕተ ቅርጽታት ይፈራርሱ አለዉ ፡ ናብራ ህዝቢ እናኸፍኤ ይኸይድ አሎ ፡ ከምዚ እንተቀጺሉ ሕማቅ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

ረኪበ ጳጳሳት ኮንጎ ረፓብሊክ መንግስቲ ሐላፍነት ናይዚ ኩሉ ዝኽሰት ዘሎ አሉታዊ ጉዳያት ክስከም ከም ዝጸውዑ ክአ ይምልከት።

ናይ ሹምበ ጳጳስን ናይ ረኪበ ጳጳሳት ሊቀመንበርን ብፁዕ አቡነ ኒኮላስ ጆሞ ሎላ ከም ዘመልክትዎ፡ ፖሊቲካዊ ኩነታት ረፓብሊክ ኮንጎ አብ አዝዩ ዘተሐሳስብ ኩነታት ኢዩ ዝርከብ ዘሎ ስለዚ ከምዚ እንተቀጺሉ ፡ እታ ሀገርን እቲ ታተ ዝብል ዘሎ ዲሞክራያዊ መስርሕን አብ ሕደጋ ክወድቅ ተኽእሎ አሎ።

ብጹዕ አቡነ ኒኮላስ ጆሞ ሎላ ቀጺሎም ኩሉ ደረጃታት ማኅበረሰብ ኮንጎ ብምግባረ ብልሽውና ከም ዝተበከለ ጠቂሶም ፡ ነዚ ሐደገኛ ተርእዮ”ዚ ንምግታእ ዝውሰድ ዝኾነ ይኹን መደብ ከም ዘይሎ ብምምልካት አካላት ፍትሒ ከይተረፈ በዚ መርዛም ሕማም”ዚ ተታሒዘን ይሳቀያ ከም ዘለዋ አረዲኦም ።

ሀገር ብጽቡቅ አገባብ ክመርሕ ሰናይ አብነት ከርኢ ዝግብኦ መንግስቲ እንድሕሪ አብ ብላዕ ዝቁማጣዕ ከይኑ ሳዕቤኑ ፍጹም ሕማቅ ክኸውን ስለዝኽእል ረኪበ ጳጳሳት ኮንጎ ነዚ ብምርዳእ የጠቅቅን የተሐሳስብን ከም ዘሎ ብፁዕ አቡነ ኒኮላስ ጆሞ ሎላ አፍሊጦም አሎዉ።

መንግስቲ ካብዚ ተርእዮ”ዚ ወጺኡ ሕገ መንግስታዊ ሥልጣኑ ተጠቂሙ ተግባረ ብልሽውና ክገትእ ዘተሐሳስብ ሰነድ ጳጳሳት ኮንጎ ረፓብሊክ ብህዝቢ ተቀባልነት ከም ዘረኸበን ህዝቢ ሀገር ከዕኑ ተክእሎ ዘለዎ መርዛም ተግባረ ብልሽውና ክግታእ አለዎ ኢሉ ከም ዝሐስብን ክአ ብፁዕ አቡነ ኒኮላስ ጆማ ሎላ ከን ዝሀብዎ መግለጺ ንምርዳእ ተኻኢሉ አሎ።

አብ ልዕሊ”ተን አብታ ሀገር ዝርከባ ናይ ብዙሐት ሀገራት ኩባንያታትን ናይ ኤኮኖሚ ተቅዋማትን ገሊኤን ሕጋውያን ወነንቲ ተፈጥሮአዊ ሀብቲ ኮንጎ ከም ዝኾናን ዘካይድኦ ወፍሪ ንጹር ከም ዘይኮነን ናይቲ ሽግር ተዋሳእቲ ከም ዝኮናን ብፁዕ አቡነ ጆሞ ሎላ አመልኪቶም።








All the contents on this site are copyrighted ©.