2009-07-18 14:24:04

ግብረ ሽበራ ኣብ ጃካርታ


ትማሊ ንጐሆ ኣብ ጃርታ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ብዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ 9 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 50 ዝግመቱ ድማ ናይ መቑሰልቲ ሓደጋከምዝወረዶም ተሓቢሩ። ናይ ሕብረት RealAudioMP3 ኤውሮጳ ተረይና ሊቀ መንበር መንግሥቲ ስዊድን ካብ ዝርከበብወን ብዙሓት ሃገራት መንግሥታት ነቲ ግብረ ሽበራ ዘውግዝ መልእኽቲ ከምዝተሓላለፈን እንክንገር ተገሊጹ።

ኣብ ፕራግ ምብጻሕ ዘካይዳ ዘለዋ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዋና ጸሓፊት ሂላሪይ ክሊንተን ትርጉም ኣልቦ ዓመጽ እንክብላ ገሊጸን ነቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ከምዝኾነና ተሓቢሩ።

ናይ ምስራቕን ርሑቕ ምስራቕ ስነ ማኅበራውን ስነ ፖለቲካውን ሊቅ ስቴፋኖ ቨኪያ ብዛዕባ እዚ ኣብ ጃካርታ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ’ታ ሃገር ድሕሪ ነዊሕ እዋን ዳግም ብኢድ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ክኸውን ይኽል፣ እዚ ግብረ ሽበበራ’ዚ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ደህንነትን ስለያን ቤት ጽሕፈት ቅድም ክብል ዝገመቶ ከምዝነበረ ኢዩ ዝንገር። ኣብ ኢንዶነዢያ ብዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተፈጸመ ሕዝባዊ መረጻ፣ እቶም ኣኽረርቲ ምስልምና ኣብዛ ሃገር ውሁዳን ከምዝኾኑ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ኢንዶነዢያ እታ ዝዓበየት እስላማዊት ሃገር እውን እንተኾነት፣ ካብ ሃይማኖት ነጻ ዝኾነ መንግሥቲ ዘለዋን ማዕርነትን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ዝረኣየላ ሃገር እያ፣ ስለዚህ ነዚ ናይዛ ሃገር ዴሞክራሲያዊ መሥርሕ ዘይድግፉ ምንቅስቃሳት ኣኸረርቲ ምስልምና ድምጾም ነኸስምዑን ኣለና ንምባል ዝጥቀምሉ ሰላም ዝጻረር ተግባር ኢዩ ኢሎም።

ዘይተመዓራረያ ማሕበራዊ ናብራን ኣብ ገለ ገለ ክፍለ ሃገራት ኢንዶነዢያ ዝተራእዩ ሃይማንቶታዊ ግርጭታት፣ ኣኽረርቲ ሃይማኖት ምስልምና ነመለኻኽታኦም ንምስፍሕፋሕ ዝጥቀምሉ ኣጋጣሚ ከምዝኾነን፣ ኢንዶነዚያ እትኽተሎ ሥርዓት ዴሞክራስን ዘለዋ ማኅበራዊ ምክብባርን ምቅብባልን ንብዙሓት ሓገራት ምስልምና ከም ኣብነት ክኸውን እንከሎ፣ ነኽረርቲ ምስልምና ዕላማ ግን ዓቢ ዕንቅፋት ብምዃኑ ብቐሊሉ ንግብረ ሽበራ ዒላማ ከምእትኸውን ፍሉጥ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.