2009-07-18 14:14:41

ዕረፍቲ ሓጋይ ቅ.ኣ.ር.ሊ ጳጳሳት ይቕጽል ኣሎ


ቅ.ኣ.ር.ሊ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሮም ዕረፍቶም እናቃንዑ ኣብ ሰሜን ዓዲ ጣሊያን ኣብ ክልል ምምሕዳር ኤንትሮድ ሽንጥሮ ኣኦስታ ዝርከብ ቁሸት ለኮምበስ ብኣ.ፈ. ክሳ RealAudioMP3 ዕ 29 ሓምለ ክጸንሑ ከምዝኾኑ እንክረጋገጽ፣ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ኣብቲ ንዕረፍቲ ተቐሚጦሙሉ ዘለዉ ቤተ ገጠር ማኅበር ሳለዛውያን ብዘጋጠሞም ናይ ምንድልሓጽ ሓደጋ ጉንቦ የማናይ ኢዶም ተሰቢሮም ኣብ መካነ ሕክምና ኡምበርቶ ፓሪኒ ናይ ኣኦስታ ውገሳዊ ሕክምና ተኻይዱሎም ብጽቡቕ ኣብ ምሕዋይ ከምዝርከቡ ወሃብ ቃል ር.ሊ.ጳጳሳት ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ካብቲ ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ቦታ ዘመሓላለፍዎ ዜና ገሊፁ።

እዚ ዜና’ዚ ከምዘረጋግጾ ቅ.ኣ.ር.ሊ ጳጳሳት ትማሊ ዓርቢ ንግሆ ሰዓት ትሽዓተን ኣርብዓን ሓሙሽተን መጥባሕቲ ክሳዕ ዝግበረሎም ጽቡቕ ከምዝነበሩን ቅዳሴ ቀዲሶም ከምዝቖረሱን ወጌሳ ኣብ ከባቢ ጉንቦ ኢዶም መደንዘዚ ተጠቂሙ ነቲ ዝተሰብረ ዓጽሚ ኣጋጢሙ ከምዝኣሰረሎምን ተመልኪቱ ኣሎ፣ ኣባ ሎምባርዲ መግለጺኦም ብምስፍሕፋሕ ንግላዊ ሓኪም ቅ.ኣ.ር.ሊ ጳጳሳት ንፕሮፈሰር ፓትሪዚዮ ፖሊስካ ጠቂሶም ሓፈሻዊ ኩነታት ር.ሊ ጳጳሳት ጽቡቕ ከምዘሎን ድኅሪ ሓፂር እዋን ናብ ቤቶም ከምዝተመልሱን ገሊጾም ኣለዉ።

ቅዱስነቶም ኣብ እዋን ዕረፍቶም ሓደጋ ከምዘጋጠሞም ዝሰምዑ ምእመናን ብቕልጡፍ ክሓውዩ ዘለዎም ጽቡቕ ትምኒትን ጸሎትን ይገልጹ ከምዘለዉ ድማ ካብ ኩሉ ወገን ዝበጽሓና ዘሎ ዜና የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.