2009-07-18 14:35:59

ሕቡራታ መንጋሥታት ዓለም፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሶማሊኢያ


ኣብ ሶማሊያ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክብሪ ይጥሓሰ ከምዘሎን፣ እዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ምግኅስ መሰልን ፍቓድን ሰብ፣ ናይ ውግእ ገበን ኮይኑ ክሕሰብ ከምዝከኣል ናይ ሕቡራት መንግሥታት RealAudioMP3 ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፈቓድን ዝሓልይ ላዕለዋይ ድርገት ኣፍሊጡ።

ናይ’ቲ ኣብ ሶማሊያ ካብ ዝሓለፈ ግንቦት ናይ ዝተጀመረ ውግእ ኣደዳ ሕጻናትን ደቀንስትዮን ኣረጋውያንን ከምዝኾኑን ናይዚ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ላዕለዋይ ድርገት ኃላፊት ናቪ ፒላይ ሓቢረን። ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ስደተይናን ተመዛበልትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ድርገት ክምዝሓብሮ በቲ ኣብ መንጎ ናይ ሶማሊያ ናይ መንግሥት ወትሃደራትን ደባይ ተዋጋእቲ ኣል ሻባብን ሂስብ ኡል ኢስላም ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተጀመረ ከቢድ ውግእ፣ ልዕሊ 200 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ከምዘመዛበለን ክፍለጥ እንከሎ። ኣብ ሶማሊያ ናይ ሕብራት መንግሥታት ፍሉይ ወኪል ኣህመዱ ኡልድ ኣብዳላህ እዚ ውግእ እዚ ንምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሶማሊያን ንናይ ምንጻት ዓሌት ምኽንያት ኮይኑን ከምዘሎ ከምዝገለጹ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.