2009-07-18 14:32:55

ሓድሽ ዝተኸስተ ሰዓል ሓሰ


ሓድሽ ዝተኸስተ ሰዓል ሓሰማ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ሕማም ብቕልጡፍ ተራእዩ ብዘይፍለጥ ናሕሪ ይመሓላለፍ ከምዘሎ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ሓለዋ ጥዕና ሓቢሩ። እዚ ብናይ ሕክምና ሞያ ኤይ ኤችዋን ኤንዋን RealAudioMP3 ተባሂሉ ዝልለይ ዓይነት ሕማማ ሰዓል፣ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ ጥራሕ ንብዙሓት ሰባት ከምዘጥቕዔን ክንገር እንከሎ፣ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ናይ’ዚ ሕማም እዚ ሳዕቤኑ ንምድራት ንዝግበር ምርምር መካየዲ 1.8 ሚሊያርድ ዶላር ከምዝመደቡ ተሓቢሩ።

እዚ ሕማም ተላገብ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መክሲኮ ክረኤ ከምዝጀመረን ሰዓል ሓሰማ ዝብል ስም ከምእተውሃቦን ኣብ ኢጣሊያ ጀሜሊ ቤት ሕክምና ናይ ተላጋቢ ሕማም ክፍሊ ምርምር ሓላፊ ፕሮፈሶር ሮበርቶ ካኡዳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዘኪሮም፣ ቀስ እናበለ ኣብ ካልኦት ሓገራ ክርኤ ምስ ጀመረ ግን ቀሊል ግምት ክወሃቦ ዘይብሉ ተራ ሕማም ከምዘይኮነ ኣቃልቦ ከምዝረኸበን፣ ኣብ ሜክሲኮን ሕብራት መንግሥታት ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣኒያን ብሰፊሕ ከምዝርኤን ገሊጾም፣ እዚ ሕማም’ዚ ተራ እዋናውን ግዚያውን ሰዓል ኣይኮነን እንተኾነ ግን ካብቲ ዘለዎ ደረጃ ከይብርትዕ ተስፋ ከዘሎን ገሊጾም፣ እቲ ዘርእዮ ዘሎ ምስፍሕፋሕ፣ ምርምር ሕክምና ተጠንቒቑ ክከታተሎን ሕክምናዊ መፍትሒ ክርከበሉ ንዝግበር ጻዕሪ ዘቃላጥፍ እውን ኢዩ ኢሎም ናይዚ ሕማም ሳዕቤናቱ ንምድራት ናይ ክትባት መድሃኒት ከምዘሎ ገልጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.