2009-07-16 13:43:05

“ሰላምን ዕርቅን ነቲ ኣብ ኣፍሪቓ ዘሎ ዓመጽን ግጭትን መንቀሊ ብምልላይ”


ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ካቶሊክ መናብርተ ጥበባትን ኣቢያተ ትምህርቲ ተቛማትን ብሓባር “ሰላምን ዕርቅን ነቲ ኣብ ኣፍሪቓ ዝረይ ቅልላውን ዓመጽን ውጥረትን ግጭትን መንቀሊ ንምልላይ RealAudioMP3 ” ብዝብል ኣርእስቲ ዘነቓቕሕዎ ዓውደ መጽናዕት ኣብ ናይሮቢ ክካይድ ተኻይዱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ “ኣብ ኣፍሪቃ ዝረኣይ ዝተፈላለየ ዓመጽን ግጭትን፣ ፍታሕ ክረክብ ኣለዎ ክበሃል እንከሎ፣ መንቀሉኡ ፈሊጥካ ሳዕቤኑ እውን ምቅላሕ ማለት ምዃኑን፣ ዝኾነ ይኹን ሽግር ካብ መሠረቱ እንተድኣ ዘይተጸንዔ ንምፍታሑ ዝግበር ጻዕሪ ትርጉም ዘይብሉ ከምዝኸውንን ብምትሕስሳብ፣ ነቶም ኣፍሪቃውያን ግጭታት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፣ ቤተ ሰብ ዓቢ ተራ ከምዘለዎ” ድማ ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምርሆ ዘቕረቡ ኣብ ኡጋንዳ ናይ ኣሩዋ ሰበኻ ካህን ኣባ ፕሪሚስ ኣሰጋ ሓቢሮም “ቤተ ክርስትያን ስድራ ኣግዚኣብሔር ምዃና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኤክለሲያ ኢን ኣፍሪካ - ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቓ ኣተሰምየት ንናይ ኣፍሪቃ ቀዳማይ ሲኖዶስ ምኽንያት ዘተሓላለፍዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶምን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ስነ ቤተ ክርስትያንን ትውፊትን ቲዮሎጊያን መሠረት ገይሮም ብምትንታንን፣ እቲ ሃብቲ ባህሊ ማኅበረሰብ ኣፍሪቓ ዝነበረን ናይ ሓይማኖትን ማሕበራውን ሰብኣዊ ክብሪ መሠረት ዝኾነ ተሳትፎ ሕዝቢ ተመሊሱ ሕያው ክኸውን ሓደራ ኢሎም።

እዚ ተሳታፍነትን ምትሕልላይን ተኻፊልካ ምንባርን ዘንጸባርቕ ናይ ኣፍሪቃ ባህሊ፣ ንናይ ኣፍሪቃ ቲዮሎጊያን ሊጡርጊያን ትምህርተ ክርስቶስን መሠረት ከምዝኾነ ድማ ኣረዲኦም። እናደኸመን እናተፀቕጠን እነሆ ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ማሕበራውን ሰብኣውን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ጸገማትን የምጽእ ከምዘሎ ግሁድ ኢዩ፣ ብምባል “ተሳታፍነትን ተካፊልካ ምንባርን ዓሌታውነትን ወገናውነትን እናተተክኤ ዘስዕቦ ዘሎ ሽግር ቀሊል ኣይኮነን ምእንቲ’ዚ ዕርቅን ሰላም ምትሕቁቓፍ ዓሌታትን መታን ክረጋገጽ ብዛዕባ እቲ ክቡር ባህሊ ኣፍሪቓ ኣብ ኣቢያተ ትምህርትታትን መናብረተ ጥበባትን ዓቢይ ቦታ ክወሃቦ ኣተሓሳሲቦም፣ ቤተ ክርስትያን ኣፍሪቓ ነዚ ክቡር ባህሊ እተንጸባርቕ ክትኸውን ሓደራ ከምዝበሉ ተገሊጹ።








All the contents on this site are copyrighted ©.