2009-07-16 13:36:42

ዕረፍቲ ሓጋይ ር.ሊ.ጳ.


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ቁሸት ለኮሞበስ ናይ እዋን ሓጋይ ዕረፍቲ ብጽቡቕ የሕልፉ ከምዘለዉ ሎሰርቫቶረ ሮማኖ ተዓዛቢ ሮማ ዝተሰምየ ጋዜጣ ቅ.መንበር ትማሊ ኣብ ዘውጸኦ ሕታሙ ገሊፁ። RealAudioMP3

ቅዱስነቶም ኣብ ሞንጎ ጎቦታት ቫልዳኦስታ ናይ ለኮምበስ ዓርባዕተ መዓልቲ ከምዘሕለፉ እንክዝከር ኣብዚ እዋን’ዚ ምስ ሕዝቢ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ርክብ ኣቋሪጹ ኣሎ። ትማሊ ሮቡዕ ብፍላይ እቲ ብልማድ ንብዙሓት ምእመናን ዘመሓላልፍዎ ዝነበሩ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ኣየቕረቡን። እዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ሰሙናዊ መደብ’ዚ ብር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል ዓሠርተ ክልተ ዝጀመረ ኮይኑ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ምእመናን ኵሉ ዓለም ተራኺቦም ትምህርተ ክርስቶስ ንምስትምሃር ዕድል ዝህቦም እዩ።

ኣብ ታሪኽ መዛግብቲ መርበብ ቅ. መንበር ተሓቲሙ ዝርከብ ቀዳማይ መደብ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ መበል ዓሠርተ ክልተ ንመንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝምረጹ ድሕሪ ሓደ ወርሕን ፈረቓን ብዕለት 26 ሚያዚያ 1939 ዓ.ም.ፈ. ዘቕረብዎ ኢዩ።

ናይቲ ዓመት ኣስተምህሮታት ኩሎም ኣብ ቃል ኪዳንን ፍቕሪ ሰብ ሓዳርን ስድራን ዘተኵሩ ነበሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.