2009-07-16 13:39:42

ሽግር ሰብ ምርምርን ቴክኒክን (ጥበብ) በይኑ ኣይፈትሖን።


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ካሪታስ ኢን ቨሪታተ - ፍቕሪ ብሓቂ” ዘርእስታ RealAudioMP3 ብዛዕባ ማኅበራዊ ጉዳይ እትድሕስስ እኳ እንተኾነት፣ ጭቡትነት ብድሆታት ስነ ሰብ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስልጣናዊ ትምህርቲ እተመልክት፣ ሰብ ገዛእ ርእሱ ዝፈጠረ ድዮ ወይስ ጽግዕተኛ እግዚኣብሔር ኢዩ? RealAudioMP3 ንዝብል ሕቶ ብዝተፈላለየ መገዲ ምላሽ እትህብ እውን ኢያ። ኣብ ኤኮኖሚ ይኹን ኣብ ናይ ስነ ሕይወት ስነ ምግባር ተመርኵይዝካ ብዛዕባ ናይ ወዲ ሰብ ሽግራት መሠረታዊ ሕቶታት ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ፣ ቴክኒካዊ ፍታሕ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሰብ ብሥጋን ብነፍስን ዝቖመ ብምዃኑ እዚ ሓቂ ዘንቅሎ ልዑል ኣድላይነት ኣብ ግምት ክኣቱ ከምዘለዎ እተስተምህር ምኻናን እዚ ድማ ኣብ መንጎ ምርምርን እምነትን ዘሎ ምፍሕፋሕ ሰገርን ንዓለማውነት ኣረኣእያ ንምግጣምን ንምስናፉን እተድግፍ” እውን ምዃና ኣብ ሮማ መንበረ ጥበብ ቶር ቨርጋታ ናይ ማሕበራዊ ስነ ምግባር መምህር ስተፋኖ ሰምፕሊቸ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም።

ፕሮፈሶር ሰምፕሊቸ ቅዱስ ኣቦና በታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም “ነታ ፖፑሎሩም ፖግረሲዮ - ምዕባለ ሕዝብታት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ተረጋግጽን ብዛዕባ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝምልከት ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ንእንነብረሉ ዘሎና እዋን ኣብ ግምት ብምእታው ከምዝሓደሱን፣ ብዛዕባ ናይ ኤኮኖሚ ምዕባለን ናይ ዕድጋ መቆጻጸርን መምርሕን ዝምልከትን ኣብዚ መዳይ ዘለዉን ዝረኣዩን ዓበይቲ ተገርራጫውቲ ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝምልከቱ ሕቶታት ዝተንተንተነት ዓዋዲት መልእኽቲ ኢያ”።

“ሰብ ንመሠረታዊ ሕቶታት መልሲ ንምሃብን ንምርዋይ ኤኮኖሚ ኣብ መኽሰብ ጥራሕ ዘማእከለ ኮይኑ፣ መምርሒ ናይ ኤኮኖሚ ድማ ነዚ ተኸቲሉ ክቐውም ይርኤ፣ ዝተመዓራረየ መኽሰብ ክህሉ ግድን ኢዩ፣ እዚ ንምርግጋጽ ናይ ኤኮኖሚ ስነ ምግባር ክህሉ ከምዘለዎ እተተሓሳስብ ዓዋዲት መልእኽቲ ኢያ” ኢሎም። “ብኻልእ መዳይ ነቲ ንመራሕነት መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝምረጹ ኣትሒዞም ብዛዕባ መጀመርታን መወዳእታን ሕይወትን ሰብን ክብሩን ናይ ሕይወት ስነ ምግባር ብዝምልከት ዘቕርብዎ ሥልጣናዊ ትምህርቲ እተነጸባርቕ ኢያ” ኢሎም።

“ኣብዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዛዕባ ቴክኒክ (ጥበብ) ዝምልከት ሓደ ምዕራፍ ኣሎ፣ ብዓለማዊ ምትእስሳር ደረጃ ምዕባለን ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ተግባረ ኤኮኖሚ ዘስተዕሎ ክኸውን መታን ተግባር ሰብ ምስትውዓል ዝሓደሮ ኤኮኖሚ ክኸውን ከምዘለዎ ብሰፊሕ ተረድእ፣ እዚ ክንብል እንከለና ቅዱስ ኣቦና እምነትን ምርምርን ዝማልኡን እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ ዝበልጽን ወይ ድማ ዘወግድ ከምዘይኮነ የረድኡ። ስለዚህ ጉዳይ ኤኮኖሚ ዝዳሕሰሰት እኳ እንተኾነ ብዛዕባ ስነ ሰብ ናይ ቤተ ክርስትያን ስልጣናዊ ትምህርቲ ብዘይ ቀጥታዊ መገዲ እተስተምህር ኢያ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.