2009-07-14 14:17:49

“ናይ ምርምር ጉዕዞ ንረብሓ ናይ መንበረ ጥበባት ባህሊ”


ፍቕሪ ኣብ ሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣመልኪቶም ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሬናቶ ራፋኤለ ማርቲኖ ትማሊ ኣብ ሮማ ዝርከባ መንበረ ጥበባት ናይ ስነ ኤኮኖሚ መምሃራንን ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ኣብታ ዓዋዲት መልእኽቲ እማእኪሎም ኣብ ዘካይድዎ ዓውደ መጽናዕቲ RealAudioMP3 ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ “ክርስትና ኣብ ናይ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን መዳይ ተሰማዕነቱ ክኽበርን፣ ብሓፈሻኡ ኣብ ናይ ሓገር ጉዳይ ናይ ምውሳእ መሰሉ ክሕለው ኣለዎ” ኢሎም።

እዚ ብናይ ሮማ ሰበኻ ናይ መናብረተ ጥበባት ሓዋርያዊ ኖልዎ ዝሓሊ ድርገት “ናይ ምርምር ጉዕዞ ንረብሓ ናይ መንበረ ጥበባት ባህሊ” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ዝማእከል ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ክኸውን እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ማርቲኖ “ኅብረተሰብ ብኣና ዝመሓዙ ረቛሒታት ዘይኮነስ ዝዕደሉ ወይ ድማ ንዝተወሃቦ ንዝተዓደሎም ረቛሒታት ግምት ምሃብ ከምዘድልን ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእክቲ ቍጽሪ 34 ዝብሎን ፖፑሎሩም ፕሮግረሲዮን ረሩርም ኖቫሩም ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ዝድሕስ ናይ ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ዘቕርባ ዓዋዲ መልእኽትታት ብምውካስ ከምዘረድኡ ተሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ሓቀይና ሰብኣዊ ነቲ ፍጹም ልዑል ገዛእ ርእሱ ዝኸፍትን ከምዝኾነን ናይ ድኽነት መሠረት ቡክራት ወይ ድማ ዘይህላዌ መንፈስ ሕውነትን ምትሕስሳብ ኢዩ ከምዝበሉ ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶልክ ማኅበር ረድኤት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከብ ጨንፈሩ፣ እታ ፍቕሪ ኣብ ሓቂ እተሰምየት ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓዋዲት መልእኽቲ ነቲ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ድኽነት ንምውጋድ ቢሉ ዝሓቀኖ መደብ ምዕባለ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንዝግበር ጻዕሪ መሠረት ኢያ ከምዝበለ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.