2009-07-14 13:51:48

ካሜሩን


ኣብ ካሜሩን ልዕሊ 20 ሺሕ ዝግመቱ ዜጋታት ጸረ ምንጻል ጽንሲ ዝሃቀነ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ ተሓቢሩ። ጽንሲ ምስዳድ ብሕጊ ዘየቕጽዕ ኮይኑ፣ ክፍጸምን ሕጋውነት ዘለዎ ተግባር ኢዩ ዝብል ውሳኔ ዝቃወም፣ RealAudioMP3 ብናይ ዱኣላ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ዝተዳለው ብፁዕ ካርዲናል ክርቲስቲያን ቱሚ ዝተመርሔ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እዚ ዕለት 11 ሓምሌ 2009 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ብፍላይ ናይ ኣሕዛብን ደቀ ንስትዮን ዝምልከት ናይ ማፑቱ ውሳኔ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኅብረት ኣፍሪቃ ዕለት 11 ሓምለ 2003 ዓ.ም.ፈ. ዘጽደቖ ቅዋም ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ኣብ ደቡባዊ ከባቢ ካሜሩን ዝተኻየደ ኢዩ።

ናይ ዱኣላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሳሙኤል ክሌዳ ነቲ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ መዕጸዊ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቀዳሴ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፣ “ቤተክርስትያን ናይ ሕይወት ባህሊ ብምክልኻልን ኣብዚ ጉዳይ ዝተመሥረተ ህንጸት እውን ብምሃብን፣ ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዝፍጸም ገበንን ሕይወት ንሓደጋ ዘቃልዑን ክብሪ ዘርኢ ሰብ ዝግህሱ ውሳኔታትን ዘይባህርያዊ ብሕክምናን ብዝተፈላለዩ መጋበሪያታት ወሊድ ንምቁጽጻር ተባሂሉ ዝቐርቡ ውሳኔታትን ሜላታትን ከምእትቃወምን፣ ምእንቲ ክብሪ ሕይወት ወትሩ ክትጣበቐ ኢያ” ቢሎም፣ “ናይ ደቀ ንስትዮ መሠረታዊ ጸዋዕታ ክኽበር ወትሩ ከምእንተነቓቕሕ” ሓቢሮም። ስዒቡ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስያንን ፖርተስታትን እስላምን ልኡኻት ብሓባር ዘጽደቕዎ ጽንሲ ምስዳድ ዝቃወምን ናይ ሕይወት ባሕሊ ዝሓሊ ናይ ሓባር ሰነድን ልዕሊ 30 ሺሕ ሕዝቢ ዝፈረምሉ ኣቤቱታ ኣብ ኢድ ናይ ካሜሩን ርእሰ ብሔር ከምዘብጽሑ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.