2009-07-14 13:49:08

ሶማሊያ


ኣብ ሶማሊያ ናይ መንግሥቲ ኃይሊ ምክልኻል ጸረ እስላማዊ ደባይ ተዋጋእቲ ዝፍጽሞ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ናይ ግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ካብቲ ተሓጺርሉ ዝነበረ ክፍለ ርእሰ ከተማ ሞቃዲሾ ወጻኢ ብዙሓት ክፍለ ከተማ’ዛ ርእሰ ከተማ RealAudioMP3 ካብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ የእትውን ኣብ ልዕሊ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ብዝሕ ናይ ሰብ ኪስራ የውርድ ከምዘሎ ተሓቢሩ። ኣብ ጎድኒ እቶም ናይ መንግሥቲ ወተሃደራት ኣብ ሶማሊያ ዝተዋፈረ ናይ ኅብረት ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ከእተፋፈሩ ኣውን ተሓቢሩ።

ኣብ ሶማሊያ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ወኪል አህመዱ ኡልድ አብዳላሕ “እቶም ናይ መንግሥቲ ወተሃደራት ዝጭብጥዎ ዘለዎ ዓወት ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቃድሾ ምርግጋእ ዘምጽእ ኢዩ” ከምዝበሉ ተሓቢሩ።

ናይ ማኅበር ኢየሱሳውያን ፖፖሊ እተሰምየት ወርሓዊት መጽሔት ጋዜጠይና ናይ ስነ ኣፍሪቃ ሊቅ ኤንሪኮ ካሳለ ብዛዕባ ጉዳይ ሶማሊያ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “ናይ ኅብረት ኣፍሪቃ ዓቀቢ ሰላም ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ 2006 ዓ.ም.ፈ. ናይ ሶማሊያ ናይ መንግሥቲ ወትሃደራት ንምድጋፍ ኣብቲ ጸረ ናይ ሶማሊያ እስላማዊ ቤት ፍርዲ ደባይ ተዋጋእቲ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ተዋፊሮም ኣብ ሶማሊያ ነዘካይድዎ ዝነበሩ ወተሃደራዊ ተልእኾ ኣብ መባእታ 2007 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ምዝዛሞም ብኅብረተ ኣፍሪቃ ዝተልኣኸ ክኸውን እንከሎ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውግእ ከምዘይተሳተፈ ኢዩ ዝፍለጥ፣ ሕጂ ግን ምናልባት ሕጋውነት መሰል ርእሰ ምክልኻል ውሳኔ መሠረት በቶም እስላማዊ ሓይሊ ንዝወርዶ ሓደጋን መጥቃዕትን ግብረ መልሲ ንምሃብን ዝሃቀነ ኢዩ ዝመስል” ኢሎም። ኣተሓሒዞም “ምናልባት ናይ ሕብራት መንግሥታት ኣሜሪካ ርእሰ ብሔር ባራክ ኦባማ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ናይ ሽበራ ወፈራ ዓለም ለኻዊ ሽግር ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ዓለም ለኻዊ ግብረ መልሲ የድልዮ እንክብሉ ዝገልጽዎ ሓሳብ መሠረት ዝገበረ ኣብ ወግእ ናይ ምስታፍ ውሳኔ ክኸውን እውን ዝከኣል ኢዩ” ኢሎም።

እቶም ናይ ኅብረት ኣፍሪቓ ዓቀብቲ ሰላም ብኻልእ መዳይ ኣኽረርቲ ናይ ኣል ሸባብ እስላማዊ ዕጡቓት ኃይሊ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ወተሃድራዊ ግስጋሰ ንምዕጋት ሓቂኖም ንናይ ሶማሊያ ናይ መንግሥቲ ወትሃደራት ዘቕርብዎ ዘለዎ ወተሃደራዊ ደገፍ ከምዝኾነ ድማ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ ካሳለ ይብሉ “ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ንናይ ሶማሊያ መንግሥቲ ፖሊቲካዊ ድጋፍ ብምሃብ፣ ነቶም ናይ ሶማሊያ ኣኽረርቲ ደገፍ ኣብ ዝገብራ ሃገራት ማዕቀብ ክገብርን ናብ’ዛ ሃገር ካብቲ ዘሎ ናይ ዕቃቤ ሰላም ተልእኾ ፍልይ ዝበለ ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም እንተድኣ ተላኢኹ ኣብ ሶማሊያ ምርግጋእ ክረጋገጽ ዝከኣል ኢዩ” እብክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.