2009-07-11 16:23:32

ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ አብ ዋዕላ ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ትካል ባይቶ ሕቡራት መንግስታት.


አብ ጀነቭ ናይ ባይቶ ሕቡራት መንግስታት ተቅዋማት ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ብፁዕ አቡነ ሲቫኖ ማሪያ ቶማሲ አብቲ ትካል ዘካየዶ አኼባ ኤኮኖምያውን ማሕበራውን ቤት መኽሪ ተረኺቦም ከም ዝነበሩ ካብ ጀነቭ ዝመጸ ዜና አፍሊጡ።

በዚ ዜና”ዚ መሠረት ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ሐለዋ ጥዕና ህዝቢ ድኻታት ሃገራት ምኽንኻንን ምርግጋጽን ሞራላዊ ግድነት ኢዩ ብማለት መግለጺ ሂቦም ።

ዓለም ለኻዊ ኤኮኖምያዊ ቅልውላው አብ ልዕሊ ድኻታት ሀገራት አሉትዊ ተጽዕኖ የውርድ ከም ዘሎ ብምርዳእ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ክከላከለሎምን ክህግዞምን ከም ዝግባእ ብፅዕነቶም ከም ዘተሐሳሰቡ እቲ ዜና አመልኪቱ።

ጠንቂ ዓለማዊ ቅልውላው ኤኮኖሚ ፡ ሞራል አልቦነትን ጉያ ምብድላብ ሃብትን ዘስዓቦ ከም ዝኾነ ኣአብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸት ካሪታስ ኢን ቨሪታተ ሐቀኛ ፍቅሪ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ጠቂሶም ከም ዝገለጹ ክአ እቲ ዜና ገሊጹ።

አብ ዓውደ ሕክምና ምትሕብባር ፍትሐዊ ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ብፁዕ አቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶማሲ ቤትክርስትያን አብ ዙርያ ዓለም 5.378 ቤት ሕክምና 18 ሲህ ክሊኒካት 15.448 መዕቁቢ ሽማግለታትን አካለ ስንኩላንን ብምምስራት አብዚ መዳይ”ዚ ከም ትተሐባበር ከም ዝገለጹ ክአይምልከት።








All the contents on this site are copyrighted ©.