2009-07-11 13:36:09

ብርቱዕ ዝናም

ኣብ ማኣከላይ ኣፍሪካን ከባብን


ኣብ ማእከላይ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ከባቢ ዝሃረም ዘሎ ብርቱዕ ዝናም ብሸሓት ዝቑጸሩ ከምዘመዘበለ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። በዚ ኩነት ኣየር ብዙሕ ዝተጠቕዐ ማእከላይ ኣፍሪካን ቤኒን ከምዝኾና ድማ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት። RealAudioMP3 ካብ መፋርቕ ሰነ ንነጀው ልዕሊ 11 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ብዘይ ኣባይቲ ከምዝተረፈን ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ቀይሕ መስቀል ነቶም ብዘይ ኣባይቲ ዝተረፉ ሕዝብታት ኣብ ምድጋፍን ናይ መግብን ዝስተ ማይን ኣፋውስን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎን ኣብ ቶጎን ጋናን ከተማታት እውን ተመሳሳሊ ሽግራት ከምዘስዓበ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.