Home Archivio
2009-07-11 13:36:09
ብርቱዕ ዝናም
ኣብ ማኣከላይ ኣፍሪካን ከባብን
ኣብ ማእከላይ ኣፍሪካ ምዕራባዊ ከባቢ ዝሃረም ዘሎ ብርቱዕ ዝናም ብሸሓት ዝቑጸሩ ከምዘመዘበለ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። በዚ ኩነት ኣየር ብዙሕ ዝተጠቕዐ ማእከላይ ኣፍሪካን ቤኒን ከምዝኾና ድማ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
ካብ መፋርቕ ሰነ ንነጀው ልዕሊ 11 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ብዘይ ኣባይቲ ከምዝተረፈን ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ቀይሕ መስቀል ነቶም ብዘይ ኣባይቲ ዝተረፉ ሕዝብታት ኣብ ምድጋፍን ናይ መግብን ዝስተ ማይን ኣፋውስን ሓገዝ የቕርብ ከምዘሎን ኣብ ቶጎን ጋናን ከተማታት እውን ተመሳሳሊ ሽግራት ከምዘስዓበ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና የመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.